ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣቱም መንእሰያት፡ በቲ “ዓብዪ ኣፍ ደገ” ንምእታው ኣይትደንጕዩ

ኣቱም መንእሰያት፡ በቲ “ዓብዪ ኣፍ ደገ” ንምእታው ኣይትደንጕዩ

መንእሰያት ከለና፡ መዓልትታት ንእስነትና ወትሩ ኸም ዚቕጽልን ምስ ዕድመ ምድፋእ ዚመጽእ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዜጋጥም “መዓልትታት ጭንቂ” ፈጺሙ ኸም ዘይመጸናን ጌርና ንሓስብ ንኸውን። (መክ 12:1) መንእሰይ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ኣብ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ሸቶታት ክትጽመድ ዜኽእል እኹል ግዜ ኸም ዘሎካ ጌርካ ኽትሓስብ ትኽእልዶ፧

ንዅላትና እንተላይ ንመንእሰያት ‘ግዜን ኣጋጣምን የጓንፈና’ እዩ። (መክ 9:11) “ጽባሕ ህይወትኩም እንታይ ከም እትኸውን ኣይትፈልጡን ኢኹም።” (ያእ 4:14) ስለዚ፡ ንመንፈሳዊ ሸቶታት ብዘየድሊ ኣይትወዝፍዎ። ናብቲ ተኸፊቱልኩም ዘሎ “ናብ ዕዮ ዜእቱ ዓብዪ ኣፍ ደገ” እተዉ።” ( 1ቈረ 16:9) ከምኡ እንተ ጌርኩም ኣይክትጥዓሱን ኢኹም።

ክትበጽሕዎ እትኽእሉ መንፈሳዊ ሸቶታት

  • ብኻልእ ቋንቋ ምስባኽ

  • ኣገልግሎት ፈላምነት

  • ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ምክፋል

  • ኣገልግሎት ህንጸት

  • ኣገልግሎት ቤት-ኤል

  • ዕዮ ወረዳ

ሸቶታተይ፦