ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ምሳሌ 27-31

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽኢላ ሰበይቲ ይገልጽ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽኢላ ሰበይቲ ይገልጽ

ምሳሌ ምዕራፍ 31፡ ናብ ንጉስ ልሙኤል ካብ ኣዴኡ እተላእከ ኸቢድ መልእኽቲ ዝሓዘት እያ። እቲ ጥበባዊ ምኽራ ድማ ካብ ሓንቲ ኽኢላ ሰበይቲ እንታይ ኪጽበ ኸም ዘለዎ ምሂርዎ እዩ።

ክኢላ ሰበይቲ እምንቲ እያ

31:10-12

  • ተገዛኢት ብምዃን፡ ንውሳነ ስድራ ቤት ዚምልከት ጠቓሚ ሓሳብ ተቕርብ

  • ሰብኣያ ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር ይኣምና እምበር፡ ንእትገብሮ ነገራት ኵሉ ኸተፍቅዶ ጸቕጢ ኣይገብረላን

ክኢላ ሰበይቲ ትግህቲ እያ

31:13-27

  • ኣባላት ስድራ ቤታ ጽፉፍን ምዕሩግን ክዳውንቲ ምእንቲ ኪኽደኑን ብግቡእ ምእንቲ ኺምገቡን፡ ክትቍጥብን ሚዛናዊ ናብራ ኽትነብርን ትጽዕር

  • መዓልትን ለይትን ኣበርቲዓ ትዓይን ቤታ ትቋመትን

ክኢላ ሰበይቲ መንፈሳዊት እያ

31:30

  • ንኣምላኽ ትፈርህን ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ትምስርትን