ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

“ሰብኣያ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ ፍሉጥ እዩ”

“ሰብኣያ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ ፍሉጥ እዩ”

ክኢላ ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽብሪ ተምጽኣሉ። ብግዜ ንጉስ ልሙኤል፡ ክኢላ ሰበይቲ ዝነበረቶ ሰብኣይ፡ “ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ ፍሉጥ እዩ” ነይሩ። (ምሳ 31:23) ሎሚ፡ ሕፉራት ሰብኡት ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኰይኖም የገልግሉ እዮም። ምርዑዋት እንተ ዀይኖም ድማ፡ እቲ ንምግልጋል ዘለዎም ክእለት ዝያዳ ኣንስቶም ኣብ ዘለወን ጽቡቕ ጠባይን ኣብ ዜበርክታኦ ሓገዝን እተመርኰሰ እዩ። (1ጢሞ 3:4, 11) ከምዚአን ዝበላ ኣንስቲ ብሰብኡተን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብጉባኤ እውን ከይተረፈ ኣኽቢርካ እየን ዚርኣያ።

ክኢላ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ምእንቲ ኼገልግል በዚ ዚስዕብ ትድግፎ፦