ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ግምቢ ዘብዐኛ

ሕቶ፦ ሓደ ሰብ፡ ‘ሰማይ እንታይ ይመስል፧’ ኢሉ እንተ ዚሓትተካ፡ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ጥቕሲ፦ ዮሃ 8:23

መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ የሱስን ኣቦኡን ብዛዕባ ሰማይ እንታይ ከም ዝበሉ ትገልጽ።

ሓቂ ምሃር

ሕቶ፦ እዚ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ነዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ነገራት ዚገልጽ ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

ጥቕሲ፦ 2ጢሞ 3:1-5

ሓቂ፦ እቲ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ዚገልጽ ትንቢት ሎሚ ይፍጸም ስለ ዘሎ፡ እቲ ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ዚገልጽ ትንቢት ከም ዚፍጸም እውን ክንኣምን ንኽእል ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ቪድዮ)

መእተዊ፦ ነቲ ኣብ ህይወትና እነልዕሎ ኣገዳሲ ሕቶታት፡ ዜዕግብ መልሲ ኻበይ ክንረኽበሉ ኸም እንኽእል እትገልጽ ሓጻር ቪድዮ ንሰባት ነርእዮም ኣለና። [ነታ ቪድዮ ወልዓያ።]

መፋለጢ፦ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣምላኽ ንጸገማት ዓለም ብዛዕባ ዜዐርየሉ መገዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ። [ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣበርክታ።]

ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ

ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።