ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ሕዳር 2019
ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት
ብዛዕባ ዕላማ ህይወትን ኣምላኽ ንመጻኢ ብዛዕባ ዘተስፈዎን ዜርኢ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ።
ክርስትያናዊ ህይወት
መርዓ ኽትገብር እንተ መዲብካ፡ ዓለማዊ ጽልዋ ኣወግድ
እቶም መጻምድቲ ነታ ፍልይቲ መዓልቶም ብንጹህ ሕልናን ብዘየጣዕስ መገድን መደብ ምእንቲ ኼውጽኡ፡ እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዞም ይኽእል፧
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ግብርኻ . . . እፈልጥ እየ”
የሱስ ኣብ ኵለን ጉባኤታት ንዚግበር ንጥፈታት ይፈልጦ እዩ፣ ሽማግለታት ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ እዮም።
ክርስትያናዊ ህይወት
የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ይፈልጥ እዩ
ኵሉ እቲ ኣኼባ ዞባ ብልክዕ ዜድልየና ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባታት ጉባኤ ኣዝዩ ዜተባብዕን ግብራውን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
ክርስትያናዊ ህይወት
የሆዋ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ
ኣብ ከባቢናን ኣብ መላእ ዓለምን ንዚግበር ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድጋፍ ብፍታው ወፈያ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧