ኣኼበኛታት ኣብ ማላዊ፡ ኣጋ ምሸት ተኣኪቦም ፈነወ JW ይርእዩ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ሕዳር 2019

ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት

ብዛዕባ ዕላማ ህይወትን ኣምላኽ ንመጻኢ ብዛዕባ ዘተስፈዎን ዜርኢ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ

ዓለምን ስሕበታን ካብ የሆዋ ምእንቲ ኸየርሕቐና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ክርስትያናዊ ህይወት

መርዓ ኽትገብር እንተ መዲብካ፡ ዓለማዊ ጽልዋ ኣወግድ

እቶም መጻምድቲ ነታ ፍልይቲ መዓልቶም ብንጹህ ሕልናን ብዘየጣዕስ መገድን መደብ ምእንቲ ኼውጽኡ፡ እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዞም ይኽእል፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ኣብ ሓቂ ምእንቲ ኽንጸንዕ ክንጋደል ኣሎና

‘ንእምነት ክንጋደል’ ዘሎና ብኸመይ ኢና፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ግብርኻ . . . እፈልጥ እየ”

የሱስ ኣብ ኵለን ጉባኤታት ንዚግበር ንጥፈታት ይፈልጦ እዩ፣ ሽማግለታት ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ እዮም።

ክርስትያናዊ ህይወት

የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ይፈልጥ እዩ

ኵሉ እቲ ኣኼባ ዞባ ብልክዕ ዜድልየና ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባታት ጉባኤ ኣዝዩ ዜተባብዕን ግብራውን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ምግላብ እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት

ሎሚ፡ ምሳልያዊ ምግላብ እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ንርኢ ኣሎና። እዚ እንታይ የመልክት፧

ክርስትያናዊ ህይወት

የሆዋ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ

ኣብ ከባቢናን ኣብ መላእ ዓለምን ንዚግበር ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድጋፍ ብፍታው ወፈያ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧