2 ዮሃንስ 1-13፣ 3 ዮሃንስ 1-14–ይሁዳ 1-25
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ |ኣብ ሓቂ ምእንቲ ኽንጸንዕ ክንጋደል ኣሎና
የሱስ፡ “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ ንምእታው ተጋደሉ” ዚብል ምሕጽንታ ሂቡ እዩ። (ሉቃ 13:24) ቃላት የሱስ፡ ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ክንቃለስ ከም ዘሎና እዩ ዚሕብር። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓው ዝዀነ ይሁዳ እውን ብመንፈስ ተደሪኹ ‘ብእምነት ተጋደሉ’ ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ምግባር ትግሃት ይሓትት፦