ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ይፈልጥ እዩ

የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ይፈልጥ እዩ

እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ምግቢ “ብግዜኡ” የቕርብ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ እቲ ነዚ ባርያ እዚ ዚመርሖ ዘሎ የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየና ኸም ዚፈልጥ ይሕብር እዩ። (ማቴ 24:45) ኣኼባ ዞባን እቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባታትን ነዚ መረጋገጺ እዩ።

ነታ ጸብጻብ ኮሚተ ትምህርቲ 2017 ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ስለቲ ኣብ ኣኼባ ዞባ እንረኽቦ እዋናዊ ትምህርቲ መን እዩ ኺውደስ ዚግብኦ፧ ስለምንታይከ፧

  • ዕዮ ኣኼባ ዞባ ዚጅመር መዓስ እዩ፧

  • እቲ ንኣኼባ ዞባ ዚኸውን ፍረ ነገራት ዚምረጽ ብኸመይ እዩ፧

  • ኣኼባ ዞባ ምድላው፡ እንታይ ዕዮ የጠቓልል፧

  • ኣገባብ መጽናዕቲ ጊልዓድ ነቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ንዚቐርብ ትምህርቲ ንምድላው ዚጥቀም ብኸመይ እዩ፧

  • ደብተር ኣኼባ ንምድላው እተፈላለየ ኽፍልታት ሓቢሩ ዚዓዪ ብኸመይ እዩ፧

ብዛዕባ እቲ ኻብ የሆዋ ዚቐርብ መንፈሳዊ መሰናድዎ እንታይ ይስምዓካ፧