ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ራእይ 1–3

“ግብርኻ . . . እፈልጥ እየ”

“ግብርኻ . . . እፈልጥ እየ”

1:20፣ 2:1, 2

  • “እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ”፦ ንቕቡኣት ሽማግለታት ዜመልክት እኳ እንተ ዀነ፡ ንዅሎም ሽማግለታት ጉባኤ ኼመልክት ይኽእል እዩ

  • ‘ኣብ የማናይ ኢድ የሱስ’፦ እቶም ከዋኽብቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽርን ሓይልን መምርሕን የሱስ እዮም። ሓደ ኻብቶም ኣካል ሽማግለታት መአረምታ ምስ ዜድልዮ፡ የሱስ ኣብ ዝደለዮ ግዜን ብዝደለዮ መገድን እቲ ሽማግለ ኸም ዚእረም ይገብር እዩ

  • “እቲ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቂ”፦ ክርስትያን ጉባኤታት። ልክዕ ከምቲ ቐዋሚ ቐንዴል ኣብቲ ማሕደር ብርሃን ዜብርህ ዝነበረ፡ ክርስትያን ጉባኤታት እውን መንፈሳዊ ብርሃን የብርሃ እየን። (ማቴ 5:14) የሱስ፡ ኣብ መንጎ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ስለ “ዚመላለስ” ኣብ ኵለን ጉባኤታት ንዚግበር ንጥፈታት ይቈጻጸሮ እዩ