ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ራእይ 4-6

ምግላብ እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት

ምግላብ እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት

6:2, 4-6, 8

የሱስ ኣብ ሰማይ ምስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብምውጋእን ኣብ ከባቢ ምድሪ ኸም ዚሕጸሩ ብምግባርን ‘እናሰዓረ ወጺኡ’ እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚአን እውን ንኣገልገልቱ ብምሕጋዝን ብምዕቋብን ኣብ ክንዳኦም ብቐጻሊ ይስዕር ኣሎ። የሱስ ንምግላብ እቶም ሰለስተ ፈረሰኛታት ኣብ ኣርማጌዶን ደው ምስ ኣበሎን ንሳዕቤናት እቲ ኣዕናዊ ምግላቦም ምስ ኣወገዶን “ኪስዕር” ወይ “ዓወቱ ኺፍጽም” እዩ።