ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

የሆዋ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ

የሆዋ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ

ኣብ 2 ቈረንቶስ 9:7፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ” ዚብል ለበዋ ተዋሂቡና እዩ። ሎሚ ኣብ ከባቢናን ኣብ መላእ ዓለምን ንዚግበር ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድጋፍ ብኦንላይን ወፈያ ናይ ምግባር ምቹእ ዝዀነ ኣማራጺታት ኣሎና።

ነታ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ወፈያ ዚግበረሉ ኣገባብ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ነቲ ኣብ ሃገርና ዚርከብ ናይ ወፈያ ኣማራጺታት ንምድላይ ናብቲ ናይ ወፈያ ሓበሬታ ገጽ ብኸመይ ክንኣቱ ንኽእል፧

  • ገሊኦም ካብቲ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ወፈያ ዚግበረሉ ኣገባብ እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧

  • ገለ ኻብቲ ወፈያ ዚግበረሉ ሜላታት እንታይ እዩ፧

  • ነቲ ሓድሽ ኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ እንተ ዘይተረዲኡና፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧