ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

መርዓ ኽትገብር እንተ መዲብካ፡ ዓለማዊ ጽልዋ ኣወግድ

መርዓ ኽትገብር እንተ መዲብካ፡ ዓለማዊ ጽልዋ ኣወግድ

መርዓ ኺገብሩ ዝመደቡ ክርስትያን መጻምድቲ ብዙሕ ውሳነታት ኪገብሩ ኣለዎም። ነቲ ኣብ ማሕበረ ሰቦም ዚግበር ገፊሕ ውራይ ኪቐድሕዎ ጸቕጢ ይግበረሎም ይኸውን። ፈተውቶምን ኣባላት ስድራ ቤቶምን ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒሎም፡ እቲ መርዓ እንታይ ኪመስል ከም ዘለዎ ናይ ርእሶም ሓሳብ ይህቡ ይዀኑ። እቶም መጻምድቲ ነታ ፍልይቲ መዓልቶም ብንጹህ ሕልናን ብዘየጣዕስ መገድን መደብ ምእንቲ ኼውጽኡ፡ እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዞም ይኽእል፧

ነታ ንየሆዋ ዜኽብር መርዓ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እዚ ዚስዕብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኒክን ንጁልያናን ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

  • ሕጹያት ወድን ጓልን እቲ “ኣቦ ዳስ” ኪዀኖም ዚመርጽዎ ሰብ፡ ብሱል ክርስትያን ሓው ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧—ዮሃ 2:9, 10

  • ኒክን ጁልያናን ንመርዓኦም ዚምልከት ብሕታዊ ምርጫ ኺገብሩ ምኽንያት ዚዀኖም እንታይ እዩ፧

  • ንስነ ስርዓት መርዓን ንድግስን ዚምልከት ናይ መወዳእታ ውሳነ ዚገብር መን እዩ፧—w06 15/10 25-26 ¶10