ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 4-5

ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ሃቦ

ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ሃቦ

5:5-7, 11

ኣብ እስራኤል፡ ድኽነት ምስ የሆዋ ሰላም ንምግባር ዕንቅፋት ኣይከውንን እዩ ነይሩ። እቲ ዝደኸየ እስራኤላዊ እውን ከይተረፈ ኻብቲ ዘለዎ ብሉጽ ብምሃብ ንየሆዋ ቕቡል መስዋእቲ ኬቕርብ ይኽእል ነይሩ እዩ። ሓርጭ ኬቕርቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም፣ ግናኸ የሆዋ ነቲ ንኽቡራት ኣጋይሽ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ “ድኹም” ሓርጭ ኬቕርቡሉ እዩ ዚደሊ ነይሩ። (ዘፍ 18:6) ሎሚ እውን ዓቕምና ኽሳዕ ክንደይ ድሩት ይኹን ብዘየገድስ፡ የሆዋ ነቲ እነቕርበሉ ብሉጽ “መስዋእቲ ውዳሰ” ይቕበሎ እዩ።—እብ 13:15

ምናልባት ጥዕናኻ ወይ ሓይልኻ ስለ ዝደኸመ፡ ከም ቀደምካ ኽትዓዪ እንተ ዘይክእሊካ፡ እዚ ብኸመይ ኬተባብዓካ ይኽእል፧