ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 39-40

ሙሴ ብጥንቃቐ መምርሒ ስዒቡ

ሙሴ ብጥንቃቐ መምርሒ ስዒቡ

39:32, 43፣ 40:1, 2, 16

ሙሴ ነቲ የሆዋ ንህንጸትን ንምትካልን እቲ ማሕደር ዝሃቦ ዝርዝር መምርሒታት ብጥንቃቐ ስዒብዎ እዩ። ንሕና እውን ካብ ውድብ የሆዋ ዝዀነ ይኹን መምርሒ ኺውሃበና ኸሎ፡ ከነቕልበሉን ውዓል ሕደር ከይበልና ብምሉእ ልብና ኽንእዘዞን ይግባእ። እቲ መምርሒ ኣገዳሲ ዀይኑ ምስ ዘይስምዓና ወይ ምኽንያቱ ምስ ዘይርድኣና እውን ከይተረፈ፡ ከምኡ ኽንገብር ኣሎና።—ሉቃ 16:10

ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ንዚውሃበና መምርሒ ኸነቕልበሉን ተጠንቂቕና ኽንስዕቦን ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ

  • ንሃንደበታዊ ሕክምና ኣብ ምድላው

  • ንሓደጋ ኣብ ምድላው