መርትዖ በረኸት የሆዋ
እቶም ሓደስቲ እተሸሙ ኻህናት፡ ኣሮንን ደቁን፡ ናይ መጀመርታ መስዋእቲ ምሕራር ምስ ኣቕረቡ፡ ሓዊ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወጺኡ ነቲ መስዋእቲ በልዖ። እዚ ኸኣ የሆዋ ነዚ ሓድሽ ስርዓት ክህነት እዚ ኸም ዝደገፎን ከም ዝሰመሮን ዜርኢ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ድማ ነቶም ተኣኪቦም ዚርእዩ ዝነበሩ ህዝቢ ምሉእ ደገፎም ኪህቡ ኣተባቢዕዎም እዩ። ሎሚ የሆዋ ነቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ዝዓበየ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኼገልግል ይጥቀመሉ ኣሎ። (እብ 9:11, 12) ብ1919፡ የሱስ ንሒደት ቅቡኣት ክርስትያናት፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ገይሩ ሸይምዎም እዩ። (ማቴ 24:45) እቲ እሙን ባርያ በረኸትን ደገፍን ስምረትን የሆዋ ኸም ዘለዎ ዜርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧
-
ቀጻሊ መስጐጕቲ እኳ እንተሎ፡ እቲ እሙን ባርያ መንፈሳዊ ምግቢ ኻብ ምቕራብ ኣየቋረጸን
-
ከምቲ ብትንቢት እተነግረ እቲ ብስራት “ኣብ ኵላ ዓለም” ይስበኽ ኣሎ።—ማቴ 24:14
ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ብኸመይ ኢና ምሉእ ደገፍና ኽንህቦ እንኽእል፧