ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብተሌፎን መስክር
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብተሌፎን ዚግበር ምስክርነት ‘ብዛዕባ ብስራት ኣጸቢቕና ኽንምስክር’ ዚሕግዝ ኣገዳሲ መዳይ ኣገልግሎትና እዩ። (ግብ 20:24) * ንሓደ ሰብ ብኣካል ክንበጽሖ ኣብ ዘይንኽእለሉ ዅነታት፡ ክንምስክረሉ የኽእለና።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
-
ተዳሎ። ዚሰማማዕ ርእሰ ነገር ምረጽ። ቀጺልካ፡ ብዛዕባ እቲ ኽትዛረቦ እትደሊ ነጥብታት፡ ኣስተዋጽኦ ኣዳሉ። ምናልባት መልእኽቲ ኽትገድፈሉ ዚሕብር እተቐድሐ ድምጺ እንተ ሰሚዕኻ፡ ዝደወልካሉ ምኽንያት ዚሕብር ሕጽር ዝበለ ሓሳብ ተዳሎ። ኣስተዋጽኦኻን ካልእ ዜድልየካ ነገራትን፡ ንኣብነት፡ JW Library® ወይ jw.org® ኣብ ሞባይልካ ወይ ኣብ ታብለትካ ኸፊትካ ኣብ ሰደቓ ዄንካ ኾፍ ኢልካ ምጽናሕ ሓጋዚ እዩ
-
ፍዅስ ይበልካ። ብባህርያዊ መገዲ ተዛረብ። እቲ ሰብ ከም ዚርእየካ ጌርካ ብምሕሳብ ፍሽኽ ኢልካ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እናተጠቕምካ ተዛረብ። ዘረባኻ እተቘራረጸ ኪኸውን የብሉን። ምስ ካልኦት ኴንካ ምዕያይ ጠቓሚ እዩ። እቲ ብዓል ቤት ሕቶ እንተ ሓቲቱ፡ መገላግልትኻ መልሲ ኣብ ምሃብ ምእንቲ ኺሕግዘካ ነታ ሕቶ ዓው ኢልካ ድገማ
-
ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ኣንብር። እቲ ሰብ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ኣብ ዚቕጽል ክትድውለሉ ኸለኻ እትምልሰሉ ሕቶ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ኢ-መይል ክትገብረሉ ወይ ጽሑፍ ክትሰድደሉ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ እውን ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ካብ ቪድዮታትና ወይ ካብ ሕታማትና ብተክስት ወይ ብኢ-መይል ክትሰድደሉ ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወብ ሳይትና ዘሎ ኻልእ ነገራት ሓብሮ
^ ሕ.ጽ. 3 ምስክርነት ተሌፎን ኣብ ሃገርኩም እንተ ኣልዩ፡ ምስ ሕግታት ብሕታዊ ሓበሬታ ተሰማሚዕካ ኪግበር ኣለዎ።