ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 1-3

ዕላማ መስዋእትታት

ዕላማ መስዋእትታት

1:3፣ 2:1, 12፣ 3:1

እቲ ብመሰረት ትእዛዝ ኪዳን ሕጊ ሙሴ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ንየሆዋ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ነቲ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ወይ ከኣ ነቲ በቲ መስዋእቲ ዚርከብ ጥቕሚ ዚሕብር ድማ እዩ ነይሩ።—እብ 8:3-5፣ 9:9፣ 10:5-10

  • ኵሎም እቶም ንመስዋእቲ ዚቐርቡ ዝነበሩ እንስሳታት ጥዑያትን ኣበር ዘይብሎምን ኪዀኑ ነበሮም፣ ብተመሳሳሊ እውን የሱስ ነቲ ፍጹምን ኣበር ዘይብሉን ሰብነቱ እዩ ንመስዋእቲ ኣቕሪቡ።—1ጴጥ 1:18, 19

  • መስዋእቲ ምሕራር ኪቐርብ ከሎ ብምሉኡ እዩ ንየሆዋ ዚውፈ ነይሩ፣ ብተመሳሳሊ እውን የሱስ ርእሱ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እዩ ኣቕሪቡ

  • እቶም መስዋእቲ ሕብረት ዜቕርቡ ዝነበሩ ምስ ኣምላኽ ሰላም ነበሮም፣ ብተመሳሳሊ እውን እቶም ኣብ ድራር ጐይታ ዚካፍሉ ቕቡኣት ምስ ኣምላኽ ሰላም ኣለዎም