ክርስትያናዊ ህይወት
ዝሓሸት ዓለም ቀሪባ እያ! ዚብል ብስራት ስበኽ
ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ብዛዕባ ዝሓሸት ዓለም ከም እትመጽእ ዚገልጽ ብስራት ክንእውጅ ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር ኢና። (መዝ 37:10, 11፣ ራእ 21:3-5) ኣብዚ ወፈራ እዚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትሳተፍ መደባትካ ኣተዓራሪ። ኵሎም እቶም ኣብዛ ወርሒ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዚዀኑ 30 ወይ 50 ሰዓት ኬገልግሉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም።
ብእተኻእለካ መጠን ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሓዳስ ዓለም እትምልከት ጥቕሲ ኸተንብበሎም ተዳሎ። ጥቕሲ ኽትመርጽ ከለኻ ድማ ኣብ ክልኻ ንዘለዎ ሰባት ዚስሕብ ምዃኑ ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ፡ ሓንቲ ቕዳሕ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ ቝጽሪ 2 2021 ሃቦ። ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ ብእተኸኣለ መጠን ቀልጢፍካ ተኸታለሎ፣ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምሮ። “ዝሓሸ ብስራት” ብምብሳር ምሉእ ብምሉእ ትሑዛት ምዃንና ባህ ዜብልዶ ኣይኰነን!—ኢሳ 52:7።
ነታ ዘ ኒው ዎርልድ ቱ ካም ዘርእስታ ናይ ፈለማ መዝሙር ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
እታ ንእሽቶ ቘልዓ ብዛዕባ እንታይ ዜደንቕ መጻኢ እያ ብኣእምሮኣ ትስእል ነይራ፧
-
ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም፡ ገለ ኻብቲ ኽትረኽቦ እትደሊ ነገራት እንታይ እዩ፧
-
ኣብ ተስፋኻ ምስትንታንካ፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዚግበር ወፈራ ምሉእ ብምሉእ ክትካፈል ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧—ሉቃ 6:45