ክርስትያናዊ ህይወት
ወትሩ ንልቦናኻ ኣሰልጥኖ
ሓደ ኣትለት ክእለቱ ምእንቲ ኺዕቅብ፡ ወትሩ ጭዋዳታቱ ኼሰልጥን ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ልቦናና ንምስልጣንን ንምዕቃብን ወትሩ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። (እብ 5:14) ዋላ እኳ ናይ ካልኦት ውሳነታት ብቐሊሉ ናይ ምቕዳሕ ዝንባለ እንተ ኣልዩና፡ ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ምምዝዛንን ናይ ምውሳንን ክእለት ከነማዕብል ኣሎና። ከመይሲ፡ ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ውሳነታትና ጸብጻብ ክንህብ ኢና።—ሮሜ 14:12።
ካብ እንጥመቕ ነዊሕ ዓመታት ስለ ዝገበርና ጥራይ፡ ብቐሊሉ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና ምሕሳብና ግቡእ ኣይኰነን። ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ኣብ ውድቡን ምሉእ ብምሉእ ክንውከል ኣሎና።—እያ 1:7, 8፣ ምሳ 3:5, 6፣ ማቴ 24:45።
ነታ “ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ” ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ኤማ እንታይ ውሳነ እያ ኽትገብር ነይርዋ፧
-
ንሕልና ዚምልከት ብሕታዊ ርእይቶና ኽንህብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
-
ኤማ ኻብ ሓደ ሰብ ሓዳር እንታይ ጥበባዊ ምኽሪ እያ ረኺባ፧
-
ኤማ ንዅነታታ ብዚምልከት ካበይ እያ ጠቓሚ ሓበሬታ ረኺባ፧