ክርስትያናዊ ህይወት
መውስቦ—ነባሪ ጥምረት
ዕዉት ክርስትያናዊ መውስቦ ንየሆዋ ኽብሪ፡ ንሰብኣይን ንሰበይትን ድማ ሓጐስ የምጽእ። (ማር 10:9) ክርስትያናት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቖም መጻምድቶም ምስ ዚመርጹ፡ ጽኑዕን ዜሐጉስን መውስቦ ይህልዎም።
“ብጽሕናኡ” ምስ ሓለፈ ወረዘ ዚጅምር፡ ክንየው ጾታዊ ስምዒት፡ ውሳነ ኺውስን ይኽእል እዩ። (1ቈረ 7:36) ቅድሚ ምምርዓውካ ዘለዋ ዓመታት ብጥበብ ምጥቃምካ፡ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ክትምስርትን ክርስትያናዊ ባህርያት ከተማዕብልን የኽእለካ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ዕዉት መውስቦ ብሉጽ እጃም ኪህልወካ ይኽእል እዩ።
ንሓደ ሰብ ክትምርዖ ቕድሚ ምውሳንካ፡ ኣድላዪ ግዜ ወሲድካ “ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ” ፍለጥ። (1ጴጥ 3:4) ጥርጣረ እንተ ሓዲሩካ፡ ምስቲ ኽትምርዓዎ ዝሓሰብካ ሰብ ተመያየጥ። ከምቲ ምስ ካልኦት ሰባት እትገብሮ፡ ኣብ መውስቦ እውን ካብቲ እትረኽቦ ንላዕሊ ኣብቲ እትህቦ ኣተኵር። (ፊል 2:3, 4) ቅድሚ መርዓኻ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ እንተ ዄንካ፡ ንሕጉስ ሓዳር ጽቡቕ መሰረት ኢኻ ተንብር።
ነታ ንሓዳር ምድላው—3ይ ክፋል፦ ‘ቅድም ተቐሚጥካ ጸብጽብ’ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
እታ ሓብትን ሼንን ርክቦም ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ ነይሩ፧
-
ርክቦም እናቐጸለ ምስ ከደ እንታይ ኣስተብሂላ፧
-
ወለዳ ብኸመይ ሓጊዞምዋ፧ ንሳኸ እንታይ ጥበባዊ ውሳነ ገይራ፧