ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ነቲ የሆዋ ስልጣኑ ዚጥቀመሉ መገዲ ቕድሓዮ
የሆዋ ዝለዓለ ስልጣን ኣለዎ (1ነገ 22:19፣ it-2 21)
የሆዋ ንተገዛእቱ የኽብሮም (1ነገ 22:20-22፣ w21.02 4 ¶9)
የሆዋ ንዕዮ ሓደ መልኣኽ ባሪኽዎ (1ነገ 22:23፣ it-2 245)
ብፍላይ ሽማግለታትን ርእሲ ስድራ ቤታትን፡ ነቲ የሆዋ ንስልጣን ዚጥቀመሉ መገዲ ኪቐድሕዎ ኺጽዕሩ ኣለዎም። (ኤፌ 6:4፣ 1ጴጥ 3:7፣ 5:2, 3) ከምኡ ምስ ዚገብሩ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣኖም ዘለዉ ሕጉሳትን ዕጉባትን ይዀኑ።