ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ሓጋዚ መዳያት እታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!

ሓጋዚ መዳያት እታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!

ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ንዘሎ ቪድዮታትን ርእይቶኻ ኽትገልጽ ዚዕድም ሕቶታትን ፈቲኻዮዶ፧ ብዛዕባ እቲ “ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፡” “ሸቶ፡” “ዳህስስ” ዚብል መዳይትከ፧ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኽትሳተፍ ከለኻ፡ ካልእ እንታይ ሓጋዚ መዳይ ረኺብካ፧—ማቴ 28:19, 20

ሚድያ፦ በቲ ኣብ ወረቐት እተሓትመ መጽሓፍ ጌርካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ እንተ መሪጽካ፡ ነቲ ቪድዮታትን ካልእ ሚድያን ብቐሊሉ ኣብ ሓደ ቦታ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧ ኣብቲ ዲጂታዊ መጽሓፍ ካብቲ ኣርባዕተ ኽፋል ንሓዲኡ ምረጽ። ኣብ ትሕቲ እቲ ዝርዝር ኣርእስትታት፡ ነቲ ኽፋል እቲ ዚኸውን ኵሉ ሚድያ ብሓደ ተጠርኒፉ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። (ስእሊ 1 ርአ።)

“እተሓትመ”፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ትመርሕ እንተ ኣሊኻ፡ እቲ “እተሓትመ” ዚብል መሳርዕ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ጠቓሚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ላዕለዋይ ገጽ እቲ ትምህርቲ ነተን ሰለስተ ነጥቢ እሞ ጠውቕ፡ ድሕሪኡ “እተሓትመ” ዚብል ምረጽ። እዚ ኣቀማምጣ እዚ፡ እቲ እትመያየጡሉ ዘለኹም ምስቲ ቐንዲ ፍረ ነገር እቲ ትምህርቲ ብኣእምሮኻ ኸተተሓሕዞ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ናብቲ ዲጂታዊ ንምምላስ፡ ኣብተን ሰለስተ ነጥቢ ኸም ብሓድሽ ብምትንካይ “ዲጂታዊ” ዚብል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

“ድሉው ድየ፧”፦ እዘን ሳጹናት ኣብ መወዳእታ ትሕዝቶ እቲ መጽሓፍ እየን ዚርከባ፣ ምስ ጉባኤ ሓቢርካ ኽትሰብኽን ክትጥመቕን ዜድልየካ መሰረታዊ ብቕዓታት እውን ዝሓዛ እየን። (ስእሊ 2 ርአ።)

ተወሳኺ ሓበሬታ፦ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስቲ ርእሰ ነገር ዚተሓሓዝ ኣገዳሲ ነገር ዚገልጽ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። ኣብ ዲጂታዊ መጽሓፍ ካብ ተወሳኺ ሓበሬታ ናብቲ እተጽንዕዎ ዝነበርኩም ትምህርቲ ዚመልስ ሊንክ እውን ዝሓዘ እዩ። (ስእሊ 2 ርአ።)

ዕቤት ዝገበሩ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ እውን ምስ ተጠምቁ፡ ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ኪውድእዋ ኣለዎም። ተምሃራይካ ዋላ እኳ እንተ ተጠምቀ፡ ከተጽንዑ ኸለኹም ሰዓታትን ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕትን ጸብጻብ ክትህበሉ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኣስፋሒ እንተ ኣሰንዩካን ኣብቲ መጽናዕቲ እንተ ተሳቲፉን ንሱ እውን ሰዓት ኪሕዝ ይኽእል እዩ