ክርስትያናዊ ህይወት
ትንሳኤ ኽሳዕ ዚኸውን
እንፈትዎ ሰብና ምስ ዚሞተና፡ ተስፋ ትንሳኤ የጸናንዓና እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓጢኣትን ሞትን ከም መግነዝ ዓቕልና ኣጽቢቡልና እዩ ዘሎ። (ኢሳ 25:7, 8) ‘ኵሉ ፍጥረት ብሓባር ዜስቈርቍረሉን ዚሳቐየሉን’ ዘሎ ሓደ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ። (ሮሜ 8:22) ትንሳኤ ኽሳዕ ዚኸውን ንሞት ሰብና ኽንጻወር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኪሕግዘና ዚኽእል ስርዓታት ንረክብ ኢና።
ነታ እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚመውት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ዳንየልን ማሳሂሮን ዮሺማን እንታይ ዓይነት ስቓይ እዮም ኣሕሊፎም፧
-
እተን ሓሙሽተ ግብራዊ ሓሳባት ዝሓገዛኦም ብኸመይ እየን፧
-
እቲ ዝበለጸ ምንጪ ምጽንናዕ መን እዩ፧—2ቈረ 1:3, 4