ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

16-22 መስከረም

መዝሙር 85–87

16-22 መስከረም

መዝሙር 41ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ጸሎት ክንጻወር ይሕግዘና

(10 ደቒቕ)

ሕጉስ ምእንቲ ኽትከውን ንየሆዋ ሕተቶ (መዝ 86:4)

እሙን ኴንካ ምእንቲ ኽትቅጽል ንየሆዋ ሕተቶ (መዝ 86:11, 12w12 15/5 25 ¶10)

የሆዋ ጸሎትካ ኸም ዚምልሰልካ ተኣማመን (መዝ 86:6, 7w23.05 13 ¶17-18)


ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ፈተና ኼጋጥመኒ ኸሎ፡ ነዊሕን ተደጋጋምን ጸሎት እጽሊ ድየ፧’—መዝ 86:3

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 86:11—ጸሎት ዳዊት ብዛዕባ ልቢ ሰብ እንታይ ይሕብር፧ (it-1 1058 ¶5)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመ ኸም ዘተሓሳሰቦ ንዝነገረካ ሰብ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 4)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 15 ነጥቢ 5። ተምሃራይካ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ኣብ ዘይትህልወሉ እዋን መጽናዕቱ ምእንቲ ኪቕጽል ብዛዕባ ዝገበርካሉ ምትዕርራይ ተመያየጡ። (lmd ትምህርቲ 10 ነጥቢ 4)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 83

7. ኣይትተሓለል

(5 ደቒቕ) ምይይጥ።

ነታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ሓድሓደ ግዜ ኣብ ኣገልግሎትና ኽንሕለል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

  • ክንሕለል ዘይብልናኸ ስለምንታይ ኢና፧

8. ብቐጻሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ጻዕሪ ግበር

(10 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣብዛ ወፈራ እንገብረላ ዘለና ወርሒ፡ ብብሮሹር ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ጌርካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀሚርካዶ፧ እንተ ኣጀሚርካ ተሓጒስካ ክትከውን ኣሎካ። ካልኦት እውን በዚ ተተባቢዖም ይዀኑ። እንተዀነ ግና፡ ክሳዕ ሕጂ ኸተጀምር እንተ ዘይክኢልካ፡ ጻዕርኻ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እሞ ደኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ብዘይምኽኣልካ ዘይክኢልካ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ነታ “ብዓቕሊ ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ነርኢ ኣለና” —ክንሰብኽ ከለና ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ኣገልግሎትና ዋጋ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ 2 ቈረንቶስ 6:4, 6 ክትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ እያ፧

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር እትገብሮ ጻዕሪ ውጽኢታዊ ኸም ዘይኰነ እንተ ተሰሚዑካ፡ እንታይ ምትዕርራያት ክትገብር ትኽእል፧

ሓጐስና ኣብ ብዝሒ እነጀምሮ ወይ እንመርሖ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ኸም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። የግዳስ፡ የሆዋ ብእንገብሮ ጻዕሪ ባህ ከም ዚብሎ ምፍላጥና እዩ ዜሐጕሰና። (ሉቃስ 10:17-20) ስለዚ፡ ‘ጻዕርኻ ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥካ’ ኣብዚ ፍሉይ ወፈራ ብምሉእ ልብኻ ተሳተፍ።—1ቈረ 15:58

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 39ን ጸሎት