ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

2-8 መስከረም

መዝሙር 79–81

2-8 መስከረም

መዝሙር 29ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ነቲ ኽቡር ስም የሆዋ ፍቕሪ ኣርኢ

(10 ደቒቕ)

ንየሆዋ ዜሕስር ተግባራት ምግባር ሕደግ (መዝ 79:9w17.02 9 ¶5)

ስም የሆዋ ጸውዕ (መዝ 80:18ijwbv 3 ¶4-5)

የሆዋ ንእዙዛትን ነቶም ንስሙ ፍቕሪ ዜርእዩን ኣብዚሑ ዓስቦም ይህቦም (መዝ 81:13, 16)

ጽቡቕ ባህርያትና ንየሆዋ ኽብሪ ስለ ዘምጽኣሉ፡ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀነ ኺፈልጡ ንግበር

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 80:1—ኵሎም ነገዳት እስራኤል፡ ሓድሓደ ግዜ ብስም ዮሴፍ ዚጽውዑ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ (it-2 111)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(1 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 4)

5. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 3)

6. ዝርርብ ምጅማር

(2 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 3)

7. ንግዱሳት ምክትታል

(5 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ንሓደ ቕድሚ ሕጂ ግዱስ ዘይነበረ ሰብ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ዓድሞ። (lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 3)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 10

8. “ንስመይ ኪቕድሱ እዮም”

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ሰይጣን ካብ ኤደን ገነት ጀሚሩ ንስም የሆዋ የካፍኦ ኣሎ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ፡ ንኣስተውዓልቲ ፍጡራት፡ ስም የሆዋ ምቕዳስ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ።

ገላ ኻብቲ ሰይጣን ብዛዕባ የሆዋ ዚነዝሖ ሓሶት እስከ ንርአ። ንየሆዋ ተሪርን ጨካንን ከም ዝዀነ ገይሩ ኸሲስዎ እዩ። (ዘፍ 3:1-6፣ እዮ 4:18, 19) ንኣገልገልቱ እውን ንየሆዋ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘይብሎም ገይሩ ይኸሶም እዩ። (እዮ 2:4, 5) ብዘይካዚ፡ ንሚልዮናት ሰባት እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ውቁብ ተፈጥሮ የሆዋ ኸም ዘይፈጠሮ ኺኣምኑ ገይሩ እዩ።—ሮሜ 1:20, 21

እዚ ሓሶት እዚ እንታይ ክትገብር እዩ ዜለዓዕለካ፧ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ደው ክትብልን ንዕኡ ኽትጣበቐሉን የለዓዕለካ ይኸውን። የሆዋ፡ ህዝቡ ንስሙ ኣብ ምቕዳስ እጃሞም ኬበርክቱ ኸም ዚደልዩ ይፈልጥ እዩ። (ምስ ኢሳይያስ 29:23 ኣረኣኢ።) እሞኸ ብኸመይ ኢኻ እጃምካ ኸተበርክት እትኽል፧

  • ካልኦት ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ሓግዞም። (ዮሃ 17:25, 26) ብዛዕባ ህላወኡ መርትዖ ኸተቐርብን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያቱ ኽትምህርን ድሉው ኩን።—ኢሳ 63:7

  • ብምሉእ ልብኻ ንየሆዋ ኣፍቅሮ። (ማቴ 22:37, 38) ሰናይ ስለ ዝገበረልካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከተሐጕሶ ስለ እትደሊ እውን ንየሆዋ ተኣዘዞ።—ምሳ 27:11

ነታ ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽንዋላ እኳ ኣብ ሕማቕ ቤት ትምህርቲ  ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ኤርየልን ዲያጎንን ንስም የሆዋ እተጣበቑሉ ብኸመይ እዮም፧

  • ኣብ ጐድኒ የሆዋ ደው ኪብሉ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧

  • ንኣብነቶም ክትስዕቦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 15 ¶1-7 ኸምኡ እውን፡ መእተዊ 6ይ ክፋል

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 90ን ጸሎትን