ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

28 ጥቅምቲ–3 ሕዳር

መዝሙር 103–104

28 ጥቅምቲ–3 ሕዳር

መዝሙር 30ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ንሱ “ሓመድ ምዃንና” ይዝክር

(10 ደቒቕ)

የሆዋ ብርሕራሐ ተደሪኹ ሚዛናዊ ይኸውን (መዝ 103:8w23.07 21 ¶5)

ንሱ ምስ እንጋገ ብኣና ተስፋ ኣይቈርጽን (መዝ 103:9, 10w23.09 6-7 ¶16-18)

ንሱ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ኣይጽበየናን (መዝ 103:14w23.05 26 ¶2)

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ንመጻምድተይ ከም የሆዋ ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ድየ ዝሕዛ፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 104:24—ካብዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ብዛዕባ ፍጥረታት የሆዋ እንታይ ንምሃር፧ (cl 55 ¶18)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 4)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ንእተሰማምዐ ሰብ፡ በታ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ዘርእስታ ቪድዮ ኣመያይጦ። (th መጽናዕቲ 9)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 6—ፍረ ነገር፦ ሰብኣይ ‘ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ ኼፍቅራ’ ይግባእ። (th መጽናዕቲ 1)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 44

7. ዓቕምኻ ትፈልጥ ዲኻ፧

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ንየሆዋ ብሉጽና ምስ እንህቦ ንሱ ይሕጐስ ንሕና እውን ንሕጐስ ኢና። (መዝ 73:28) እንተዀነ ግና፡ ዓቕምና ኣብ ግምት ከየእተና ብሉጽና ኽንህብ እንተ ፈቲና፡ ናብ ዘየድሊ ጭንቀትን ጓህን እዩ ዚመርሓና።

ነታ ሚዛናዊ ትጽቢት ምሓዝ ዝያዳ ኽንዓዪ ይገብረና ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • የሆዋ ኻባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧ (ሚክ 6:8)

  • እዛ መንእሰይ ሓብትና ብዛዕባ ኣብ ሸቶኣ ምብጻሕ ጭንቀታ ኽትንኪ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 55ን ጸሎት