28 ጥቅምቲ–3 ሕዳር
መዝሙር 103–104
መዝሙር 30ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ንሱ “ሓመድ ምዃንና” ይዝክር
(10 ደቒቕ)
የሆዋ ብርሕራሐ ተደሪኹ ሚዛናዊ ይኸውን (መዝ 103:8፣ w23.07 21 ¶5)
ንሱ ምስ እንጋገ ብኣና ተስፋ ኣይቈርጽን (መዝ 103:9, 10፣ w23.09 6-7 ¶16-18)
ንሱ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ኣይጽበየናን (መዝ 103:14፣ w23.05 26 ¶2)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ንመጻምድተይ ከም የሆዋ ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ድየ ዝሕዛ፧’
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) መዝ 104:1-24 (th መጽናዕቲ 11)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 4)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ንእተሰማምዐ ሰብ፡ በታ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ዘርእስታ ቪድዮ ኣመያይጦ። (th መጽናዕቲ 9)
6. መደረ
(5 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 6—ፍረ ነገር፦ ሰብኣይ ‘ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ ኼፍቅራ’ ይግባእ። (th መጽናዕቲ 1)
መዝሙር 44
7. ዓቕምኻ ትፈልጥ ዲኻ፧
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ንየሆዋ ብሉጽና ምስ እንህቦ ንሱ ይሕጐስ ንሕና እውን ንሕጐስ ኢና። (መዝ 73:28) እንተዀነ ግና፡ ዓቕምና ኣብ ግምት ከየእተና ብሉጽና ኽንህብ እንተ ፈቲና፡ ናብ ዘየድሊ ጭንቀትን ጓህን እዩ ዚመርሓና።
ነታ ሚዛናዊ ትጽቢት ምሓዝ ዝያዳ ኽንዓዪ ይገብረና ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦
-
የሆዋ ኻባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧ (ሚክ 6:8)
-
እዛ መንእሰይ ሓብትና ብዛዕባ ኣብ ሸቶኣ ምብጻሕ ጭንቀታ ኽትንኪ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 17 ¶8-12፡ ኣብ ገጽ 137 ዘላ ሳጹን