ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

7-13 ጥቅምቲ

መዝሙር 92–95

7-13 ጥቅምቲ

መዝሙር 84ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ንየሆዋ ምግልጋል ዝበለጸ መገዲ ህይወት እዩ

(10 ደቒቕ)

የሆዋ ኣምልኾና ይግብኦ እዩ (መዝ 92:1, 4w18.04 26 ¶5)

የሆዋ ንህዝቡ መዳርግቲ ዘይብሉ ልቦና ይህቦም (መዝ 92:5w18.11 20 ¶8)

የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ ዋላ እውን ኣብ እዋን እርጋኖም ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም (መዝ 92:12-15w20.01 19 ¶18)

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ርእሰይ ንየሆዋ ኸይውፍን ከይጥመቕን ዚዓግተኒ እንታይ እዩ፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 92:5—እዘን ቃላት እዚአን ንጥበብ የሆዋ ኣጸቢቐን ዚገልጻኦ ብኸመይ እየን፧ (cl 176 ¶18)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ሰብ፡ ከም መምህር መጽሓፍ ቅዱስ መጠን እንታይ ከም እትገብር ክትነግሮ ኣጋጣሚ ኣናዲ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ንሓደ ቕድሚ ሕጂ ግዱስ ዘይነበረ ሰብ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ዓድሞ። (lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 4)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) ዕቤት ምስ ዘይገብር ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ግበር። (lmd ትምህርቲ 12 ነጥቢ 5)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 5

7. መንእሰያት ጭንቀት ምስ ዜጋጥሞም

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ጭንቀት ነጻ ኣይኰኑን። ንኣብነት፡ ዳዊት ኣብ እተፈላለየ እዋናት ጭንቀት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ፣ ሎሚ ዘለዉ ኣሕዋትና እውን ጭንቀት የጋጥሞም እዩ። (መዝ 13:2፣ 139:23) እቲ ዜሕዝን፡ መንእሰያት እውን ከይተረፉ ንጭንቀት ይቃልዑ እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ከም ቤት ትምህርቲ ምኻድ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብ ዝኣመሰለ ልሙድ ንጥፈታት ኬጨንቖም ይኽእል እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ጭንቀት ኪርዕዱ ወይ ርእሰ ቕትለት ናይ ምፍጻም ሓሳብ ከም ዚመጾም ኪገብር ይኽእል እዩ።

ኣቱም መንእሰያት፡ ጭንቀት እንተ ተሰሚዑኩም፡ ካብ ወለድኹም ወይ ካብ ብሱላት ክርስትያናት ምኽሪ ሕተቱ። ሓገዙ ምእንቲ ኽትረኽቡ ናብ የሆዋ እውን ጸልዩ። (ፊል 4:6) ንሱ ድማ ኪሕግዘኩም እዩ። (መዝ 94:17-19፣ ኢሳ 41:10) ኣብነት ስቴንግ እስከ ንርአ።

ነታ የሆዋ ሓልዩለይ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

• ንስቲንግ ዝሓገዞ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

• የሆዋ ዝሓለየሉ ብኸመይ እዩ፧

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብዓቕሊ ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ ፍቕርኹም ብምግላጽ፡ ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ዘለዎም እምንቶ ኼደልድሉ ብምድጋፍ ንዜጋጥሞም ጭንቀት ኪጻወሩ ኽትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም። (ቲቶ 2:4፣ ያእ 1:19) ደቅኹም ንምሕጋዝ መጸናንዕን ብርታዐን ምእንቲ ኺህበኩም ኣብ የሆዋ ተኣመኑ።

ኣብ ጉባኤና ገሊኦም ምስ ከቢድ ጭንቀት ይቃለሱ ኸም ዘለው ኣይንፈልጥን ንኸውን፡ ወይ ድማ ዚስምዖ ስምዒት ኣይርድኣናን ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኵሎም ኣብ ጉባኤና ዘለው ኣሕዋትን ኣሓትን ተፈቀርትን ተደለይትን ከም ዚዀኑ ኺስምዖም ብምግባር ክንሕግዞም ንኽእል ኢና።—ምሳ 12:25፣ እብ 10:24

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 81ን ጸሎት