ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለካ ኸተወግዶ ዘሎካ ጌጋታት

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለካ ኸተወግዶ ዘሎካ ጌጋታት

ብዙሕ ምዝራብ፦ ንዅሉ ነገራት ክትገልጾ ዘለካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። የሱስ ሕቶታት ብምጥቃም ሰባት ኪሓስቡን ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኺበጽሑን ይሕግዞም ነበረ። (ማቴ 17:24-27) ሕቶታት ምሕታት ነቲ መጽናዕቲ ሕያው ይገብሮ፣ ተምሃራይካ እንታይ ከም እተረድአን እንታይ ከም ዚኣምንን ክትውስን እውን ይሕግዘካ እዩ። (be 253 ¶2-3) ሕቶ ምስ ሓተትካ፡ ብትዕግስቲ መልሲ ተጸበ። እቲ ተምሃራይ ጌጋ መልሲ እንተ መሊሱ፡ ነቲ ቕኑዕ መልሲ ባዕልኻ ኣብ ክንዲ እትነግሮ፡ ተወሳኺ ሕቶታት ብምሕታት ኣብ ልክዕ መደምደምታ ኺበጽሕ ሓግዞ። (be 237 ¶1–238 ¶1) እቲ ተምሃራይ ሓድሽ ሓሳብ ኪቕበል ብዚኽእለሉ ፍጥነት ተዛረብ።—be 230 ¶4

እተሓላለኸ ምግባር፦ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር እትፈልጦ ዘበለ ዅሉ ኻብ ምንጋር ተቘጠብ። (ዮሃ 16:12) ኣብቲ ቐንዲ ነጥቢ እቲ ሕጡብ ጽሑፍ ኣተኵር። (be 226 ¶4-5) ዝርዝር ነገራት፡ ባህ ዜብል እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኪዓብጦ ይኽእል እዩ። (be 235 ¶3) እቲ ተምሃራይ ነቲ ቐንዲ ነጥቢ እንተ ተረዲእዎ፡ ናብቲ ዚቕጽል ሕጡብ ጽሑፍ ስገር።

ነቲ ጽሑፍ ምሽፋን ጥራይ፦ ዕላማና፡ ልቢ ምትንካፍ እምበር ጽሑፍ ምሽፋን ኣይኰነን። (ሉቃ 24:32) ኣብቲ ትምህርቲ ንዘሎ ቐንዲ ጥቕስታት ብምጕላሕ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ዕየየሉ። (2ቈረ 10:4፣ እብ 4:12be 144 ¶1-3) ቀሊል ምሳሌታት ተጠቐም። (be 245 ¶2-4) ናይቲ ተምሃራይ ብሕታዊ ጸገማትን እምነታትን ኣብ ግምት ኣእቱ፣ ነቲ ትምህርቲ ድማ ንዕኡ ብዚሰማማዕ መገዲ ኣቕርቦ። ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ፦ “ብዛዕባ እቲ እትምሃሮ ዘለኻ ኸመይ ይስምዓካ፧” “እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧” “ነዚ ምኽሪ እዚ ምትግባር፡ እንታይ ጥቕሚ ዘለዎ ይመስለካ፧”—be 238 ¶2-4፣ 259 ¶1