ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንተገደስቲ ኣብ ኣኼባታት ኪካፈሉ ኣተባብዓዮም

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንተገደስቲ ኣብ ኣኼባታት ኪካፈሉ ኣተባብዓዮም

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣኼባታት ‘ንየሆዋ ኽንዝምረሉን ክንውድሶን’ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ይኸፍተልና። (መዝ 149:1) ኣብ ኣኼባታት፡ ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ኢና እንምሃር። (መዝ 143:10) ተገደስትን ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ሓንሳእ ኣብ ኣኼባታት ኪካፈሉ ምስ ጀመሩ፡ ቀልጢፎም እዮም ዝያዳ ዕቤት ዚገብሩ።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ዓድሞ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዚጅምር ክትጽበ ኣየድልየካን እዩ።—ራእ 22:17

  • ኣብቲ ዚቕጽል ኣኼባ እንታይ ከም ዚግበርን እንታይ ትምህርቲ ኸም ዚቐርበን ግለጸሉ። እዚ ዚስዕብ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ፦ ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ጉባኤ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ፡ ኣብታ ፍቓድ የሆዋ እትብሃል ብሮሹር ዘሎ ትምህርቲ 5ን ትምህርቲ 7ን

  • ሓገዝ ሃብ። እቲ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ምሳኻ ብማኪና ኽትማልኦ ወይ ግቡእ ክዳን ኣብ ምምራጽ ሓገዝ የድልዮ ድዩ፧ ኣብቲ ኣኼባ ምስኡ ኾፍ ኢልካ ጽሑፋት ኣርእዮ። ምስ ካልኦት ድማ ኣላልዮ