ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ቈልዓ ማዕጾ ምስ ዚኸፍተልና

ቈልዓ ማዕጾ ምስ ዚኸፍተልና

ቈልዓ ማዕጾ ምስ ዚኸፍተልና፡ ምስ ወለዱ ኽንዛረብ ከም እንደሊ ንሕተቶ። ከምኡ ምግባር ንርእስነቶም ኣኽብሮት ከም ዘሎና የመልክት። (ምሳ 6:20) እቲ ቘልዓ ኽንኣቱ እንተ ዓዲሙና፡ ክንኣቱ የብልናን። ወለዱ እንተ ዘየልዮም፡ ካልእ ግዜ ንመለስ።

እቲ ማዕጾ ዝኸፈተልና ዀተቴ እንተ ዀይኑ፡ ማለት ዕድሚኡ ኻብ 15-19 እንተ ዀይኑ፡ ንወለዱ ኺጽውዖም እንተ ሓተትናዮ ዝሓሸ እዩ። ወለዱ እንተ ዘይኣልዮም ግና፡ ዝደለዮ ጽሑፍ ኬንብብ ዚፈቕዱሉ እንተ ዀይኖም ክንሓትቶ ንኽእል ኢና። ዚፈቕዱሉ እንተ ዀይኖም፡ ጽሑፍ ክንህቦ ወይ ድማ jw.org ብኸመይ ኪጥቀም ከም ዚኽእል ከነርእዮ ንኽእል ኢና።

ተገዳስነት ንዘርኣየ መንእሰይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብረሉ ኸለና፡ ንወለዱ ኽንረኽቦም ከም እንደሊ ንሓትቶ። ከምኡ ምግባር፡ ዕላማ መምጽኢና እንታይ ምዃኑ ንምግላጽን ንስድራ ቤታት ዚኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜተኣማምን ምኽሪ ኸነርእዮምን ይሕግዘና። (መዝ 119:86, 138) እቲ ንወለዲ እነርእዮ ኣኽብሮትን ሓልዮትን፡ ጽቡቕ ምስክርነት ኪህብ፡ ነታ ስድራ ቤት ብስራት ከነካፍላ ዜኽእል ካልእ ኣጋጣሚ እውን ኪኸፍተልና ይኽእል እዩ።—1ጴጥ 2:12