ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 119

‘ብሕጊ የሆዋ ተመላለስ’

‘ብሕጊ የሆዋ ተመላለስ’

ብሕጊ የሆዋ ምምልላስ ኪብሃል ከሎ፡ ንመለኮታዊ መምርሒ ፍቓደኛታት ኴንና ኸም እንግዛእ ምርኣይ ማለት እዩ። ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ሕጊ የሆዋ ዝሰዓቡን ኣብኡ እተወከሉን ሓያሎ ሰናይ ኣብነታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረክብ ኢና።

ናይ ሓቂ ሓጐስ እንረክብ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ንመላለስ እንተ ዄንና ጥራይ እዩ

119:1-8

እያሱ ንመምርሒ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚተኣማመነሉ ኣርኣየ። ሕጉስን ዕዉትን ንምዃን ብምሉእ ልብኻ ኣብ የሆዋ ምውካል ከም ዜድሊ ይፈልጥ ነበረ

ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ፈተናታት ንምስጋር ዜድልየና ትብዓት ይህበና

119:33-40

ኤርምያስ ኣጸጋሚ ዅነታት እናኣጋጠሞ እውን እንተ ዀነ፡ ትብዓት ከም ዘለዎን ኣብ የሆዋ ኸም ዚውከልን ኣርኣየ። ናብራኡ ቐሊል ብምግባር ድማ ኣብ ዕዮኡ ጸኒዑ ኪቕጽል ወሰነ

ልክዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ምጥራይና፡ ብትብዓት ክንሰብኽ ምትእምማን የሕድረልና

119:41-48

ጳውሎስ፡ መልእኽቲ ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ምንጋር ኣየፍርሆን እዩ ነይሩ። ንፌሊክስ እቲ ሹም ብትብዓት ኪሰብከሉ ኸሎ፡ ሓገዝ የሆዋ ኸም ዘይፍለዮ ምሉእ ብምሉእ ይተኣማመን ነበረ

ንኻልኦት ኣብ ዝሰብከሉ እዋን ዝያዳ ምትእምማን ኬርኢ ዚኽእል ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እየ፧

  • ኣብ ቤት ትምህርቲ

  • ኣብ ስራሕ

  • ኣብ ስድራ ቤት

  • ኣብ ካልእ