ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ግምቢ ዘብዐኛ

ሕቶ፦ ሓድሓደ ግዜ ዅላትና መጸናንዒ የድልየና እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ መጸናንዒ ኽንረክብ እንኽእል ካበይ ኢና፧

ጥቕሲ፦ 2ቈረ 1:3, 4

መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ መጸናንዒ ብኸመይ ኪህብ ከም ዚኽእል ትገልጽ።

ግምቢ ዘብዐኛ (ዳሕረዋይ ገጽ)

ሕቶ፦ ገሊኦም ሰባት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰብ ዘሎ ዅነታት ከም ዝዀነት ገይሮም ይሓስቡ፣ ካልኦት ድማ ኣብ ዓለም ሰላም ንምምጻእ ደቂ ሰብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኸም ዝዀነት ገይሮም ይሓስቡ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧

ጥቕሲ፦ ዳን 2:44

መፋለጢ፦ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምምሕዳር እያ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚብሎ ኻልእ ነገራት እውን ትገልጽ።

ሓቂ ምሃር

ሕቶ፦ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሓሊ እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧

ጥቕሲ፦ 1ጴጥ 5:7

ሓቂ፦ ኣምላኽ ብዛዕባና ስለ ዚሓሊ ናብኡ ኽንጽሊ ይዕድመና እዩ።

ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ

ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።