ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 3-4

የሱስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ መስከረላ

የሱስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ መስከረላ

4:6-26, 39-41

የሱስ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኺምስክር ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

  • 4:7—ነቲ ዝርርብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዝራብ ወይ ንሱ መሲሕ ከም ዝዀነ ብምንጋር ኣብ ክንዲ ዚጅምሮ ዚስተ ማይ ኪውሃቦ ብምሕታት እዩ ጀሚርዎ

  • 4:9—ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ብዓሌታ ኣድልዎ ኣየርኣያን

  • 4:9, 12—እታ ሰበይቲ ደጋጊማ ኼከራኽር ዚኽእል ጕዳያት እኳ እንተ ኣበገሰት፡ ንሱ ግና ኣብቲ ዘበገሶ ጕዳይ ኣተኰረ።—cf 77 ¶3

  • 4:10—ምስቲ እታ ሰበይቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወታ እትፍጽሞ ተግባር ዚተሓሓዝ ምሳሌ ብምንጋር ዘረባኡ ጀመረ

  • 4:16-19—እታ ሳምራዊት ርኹስ ናብራ ትነብር እኳ እንተ ነበረት፡ የሱስ ግና ኣኽቢርዋ እዩ

እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ብዘይወግዓዊ መገዲ ምምስካር ዘለዎ ኣገዳስነት ዜብርህ ብኸመይ እዩ፧