የሱስ ንኣቦኡ ኣኽቢርዎ
የሱስ ብዅሉ እቲ ዝበሎን ዝገበሮን ኣቢሉ ንሰማያዊ ኣቦኡ ኣኽቢርዎ እዩ። መልእኽቱ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ሰባት ኪፈልጡ ይደሊ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመስሪቱ ይምህር፡ ብዙሕ ግዜ ድማ ካብኡ ይጠቅስ ነይሩ እዩ። ምስ ተወደሰ፡ ነቲ ውዳሰ ናብ የሆዋ ኸም ዚቐንዕ ይገብር ነበረ። ቀንዲ ዜገድሶ ነገር ከኣ ነቲ የሆዋ ኺገብሮ ዝሃቦ ግብሪ ምፍጻም እዩ ነይሩ።—ዮሃ 17:4።
ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
-
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና ወይ ካብ መድረኽ ክንምህር ከለና
-
ካልኦት ኪውድሱና ኸለዉ
-
ንግዜና ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ኽንውስን ከለና