ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
ቃል ኣምላኽ ይዓዪ እዩ። (እብ 4:12) ንልቢ እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎ ሰባት እውን ከይተረፈ ኺትንኪ ይኽእል እዩ። (1ተሰ 1:9፣ 2:13) ሓደ ሰብ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርኣናዮ ሓቂ፡ ኬማስወሉ ኽንርኢ ኸለና ብዙሕ ንሕጐስ ኢና።
ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቃል ኣምላኽ ኪዓዪ ብምፍቃድ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ኒታ ንጀድ ቃል ኣምላኽ ምውካስ ኣገዳሲ ምዃኑ ኽትርዳእ ብምሕጋዝ፡ ንቓል ኣምላኽ ኪዓዪ ዝፈቐደትሉ ብኸመይ እያ፧
-
ኒታ፡ ጀድ ነታ ጥቕሲ ዓው ኢላ ኸም እተንብባ ብምግባርን ቀንዲ ቓላት ፈልያ ብምጕላሕን ቃል ኣምላኽ ኪዓዪ ዝፈቐደትሉ ብኸመይ እያ፧
-
እታ ጥቕሲ ንልቢ ጀድ ከም ዝተንከየቶ ዚሕብር እንታይ እዩ፧ እዚኸ ንኒታ ብኸመይ ዝጸለዋ ይመስለካ፧