ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ

ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ

ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ

ቃል ኣምላኽ ይዓዪ እዩ። (እብ 4:12) ንልቢ እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎ ሰባት እውን ከይተረፈ ኺትንኪ ይኽእል እዩ። (1ተሰ 1:9፣ 2:13) ሓደ ሰብ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርኣናዮ ሓቂ፡ ኬማስወሉ ኽንርኢ ኸለና ብዙሕ ንሕጐስ ኢና።

ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቃል ኣምላኽ ኪዓዪ ብምፍቃድ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኒታ ንጀድ ቃል ኣምላኽ ምውካስ ኣገዳሲ ምዃኑ ኽትርዳእ ብምሕጋዝ፡ ንቓል ኣምላኽ ኪዓዪ ዝፈቐደትሉ ብኸመይ እያ፧

  • ኒታ፡ ጀድ ነታ ጥቕሲ ዓው ኢላ ኸም እተንብባ ብምግባርን ቀንዲ ቓላት ፈልያ ብምጕላሕን ቃል ኣምላኽ ኪዓዪ ዝፈቐደትሉ ብኸመይ እያ፧

  • እታ ጥቕሲ ንልቢ ጀድ ከም ዝተንከየቶ ዚሕብር እንታይ እዩ፧ እዚኸ ንኒታ ብኸመይ ዝጸለዋ ይመስለካ፧