ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣዕሩኽካ ብጥበብ ምረጽ

ኣዕሩኽካ ብጥበብ ምረጽ

እቲ እስራኤላውያን ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዘጋጠሞም ኵነታት፡ ንክርስትያናት መለበሚ እዩ ዝዀኖም። (1ቈረ 10:6, 8, 11) እቶም ምስተን ኣመናዝርን ኣምለኽቲ ጣኦትን ዝነበራ ሞኣባውያን እተዓራረኹ እስራኤላውያን፡ ተሓቢሎም ከቢድ ሓጢኣት ፈጸሙ። እዚ ኸኣ መዓት ኣስዓበ። (ዘሁ 25:9) መሳርሕትናን ጐረባብትናን ኣዝማድናን ካልኦት እንፈልጦም ሰባትን ንየሆዋ ኣየምልኹን እዮም። እዚ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ምትዕርራኽ ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋ እንታይ ይምህረና፧

ነታ ንግዜና ዚኸውን መለበሚ—ቍንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ዚምሪን ካልኦትን ንያሚን እንታይ ግጉይ ሓሳባት እዮም ሂቦምዎ፧

  • ፊንሃስ ንያሚን ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺሕዝ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

  • ምስ ዘይኣማኒ ምቕሉል ምዃን፡ ምስኡ ዕርክነት ካብ ምምስራት ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብ ጉባኤ እውን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ክንመርጽ ከለና ኽንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ብብሕቲ ምስ ዘይንፈልጦም ጕጅለ ሰባት ክንጸሓሓፍ ወይ ከነዕልል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧