ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
‘ርስትኻ ኣነ እየ’
የሆዋ ንኻህናትን ንሌዋውያንን ክቡር መሰል ኣገልግሎት ሂብዎም ነበረ (ዘሁ 18:6, 7)
ነገድ ሌዊ፡ ምድሪ ኣይምቀሉን እዮም ነይሮም፣ የግዳስ፡ ርስቶም የሆዋ እዩ ነይሩ (ዘሁ 18:20, 24፣ w11 15/9 13 ¶9)
እቶም ህዝቢ ኻብ ፍረ እታ ምድሪ፡ ዕሽር ንሌዋውያንን ንኻህናትን ይህብዎም ነበሩ (ዘሁ 18:21, 26, 27፣ w11 15/9 7 ¶4)
የሆዋ ንኻህናትን ንሌዋውያንን ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት ከም ዚሓልየሎም ኣተስፍይዎም ነይሩ እዩ። ንሕና እውን ንየሆዋ ንምግልጋል መስዋእትታት እንተ ኸፊልና፡ ንሱ ኸም ዚሕግዘና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።