ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኵሉ ፈተና ሓላፋይ እዩ

ኵሉ ፈተና ሓላፋይ እዩ

ፈተናታት ብፍላይ ነዊሕ ግዜ ምስ ዚጸንሕ፡ ብቐሊሉ ተስፋ ኬቝርጸና ይኽእል እዩ። ዳዊት እቲ ኻብ ንጉስ ሳኦል ዝመጾ ዝነበረ ፈተና፡ ኣብ መወዳእታ ኸም ዜብቅዕ፡ ከምቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ድማ ንሱ ንጉስ ከም ዚኸውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (1ሳሙ 16:13) እምነት ዳዊት ኪዕገስን ንየሆዋ ኺጽበዮን ሓጊዛቶ እያ።

ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኵነታትና ንምቕያር፡ ብልሓት፡ ፍልጠት ወይ ምምዝዛን ንጥቀም ንኸውን። (1ሳሙ 21:12-14፣ ምሳ 1:4) እንተዀነ ግና፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ዘበለ ዅሉ እኳ እንተ ገበርና፡ ገሊኡ ጸገማት ይቕጽል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ክንዕገስን ንየሆዋ ኽንጽበዮን ኣሎና። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ንሱ ንዅሉ መከራና ኼወግዶን ‘ንብዓት ካብ ኣዒንትና ኪደርዝን’ እዩ። (ራእ 21:4) እቲ እንረኽቦ ዕረፍቲ የሆዋ ጣልቃ ስለ ዝኣተወ ወይ ብኻልእ ምኽንያት፡ ሓደ ነገር ግና ርግጸኛታት ኢና፦ ኵሉ ፈተና ሓላፋይ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ፡ እተወሰነ መጸናንዒ ኺህበና ይኽእል እዩ።

ነታ ኣብ እተኸፋፈለት ዓለም ዚነብሩ ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ ደቡባዊ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎም፧

  • ትዕግስትን ፍቕርን ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

  • ኣብቲ “ዚሓይሽ” ነገር ብቐጻሊ ዘተኰሩ ብኸመይ እዮም፧—ፊል 1:10