ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ

ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ርኹስ ልማዳት ኬሰንፉ ሓግዞም

ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ርኹስ ልማዳት ኬሰንፉ ሓግዞም

ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪምስርቱ ዚኽእሉ፡ እቶም ብስነ ምግባራዊ መዳይ ንጹሃት ዝዀኑ ጥራይ እዮም። (1ጴጥ 1:14-16) ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕማቕ ልማዳቶም ምስ ዜሰንፉ፡ ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤትን ዝሓሸ ጥዕናን ገንዘባዊ ረብሓን ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ግለጸሎም፡ ኣረድኣዮም፡ መምርሒታቱ ምስዓብ ዘለዎ ረብሓ እውን ግለጸሎም። ኣትኵሮኻ፡ ተምሃሮኻ ኣተሓሳስባኦም ኪቕይሩን የሆዋ ዚደልዮ ዘበለ ኺገብሩን ኣብ ምሕጋዝ ይኹን። (ኤፌ 4:22-24) ብሓገዝ የሆዋ፡ ሱር ዝሰደደ ሕማቕ ልማድ ኬሰንፉ ኸም ዚኽእሉ ኣረጋግጸሎም። (ፊል 4:13) ተምሃሮኻ በቲ ሓጢኣት ኪገብሩ ዚሓድሮም ድሌት ምእንቲ ኸይስነፉ፡ ሓገዝ የሆዋ ብጸሎት ኪልምኑ ምሃሮም። ኪርሕቕዎ ዘለዎም ፈታኒ ዅነታት ኬለልዩ ሓግዞም። ርኹስ ልማዳት ብጥዑይ ንጥፈታት ኪትክእዎ ኣተባብዓዮም። ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ብሓገዝ የሆዋ ለውጢ ኣብ ምግባር ኣሳልጦ ኺረኽቡ ኸለዉ ምስ ረኣኻ፡ ክትሕጐስ ኢኻ።

ነታ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ርኹስ ልማዳት ኬሰንፉ ሓግዞም ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሽማግለታትን ኒታን ኣብ ጀድ ምትእምማን ዘሕደሩ ብኸመይ እዮም፧

  • ኒታ ንጀድ ተወሳኺ ሓገዝ ዝገበረትላ ብኸመይ እያ፧

  • ጀድ ካብ የሆዋ ሓገዝ ዝደለየት ብኸመይ እያ፧