ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ናይ ኢንተርነት ኣዕሩኽካ መን እዮም፧

ናይ ኢንተርነት ኣዕሩኽካ መን እዮም፧

ፈታዊ ኺብሃል ከሎ፡ “ሓደ ምስ ካልእ ብምፍታው ወይ ብምክብባር እተጣበቐ ሰብ እዩ።” ንኣብነት፡ ዳዊት ንጐልያድ ምስ ቀተሎ፡ ዮናታንን ዳዊትን ዘይብተኽ ዕርክነት መስሪቶም እዮም። (1ሳሙ 18:1) ክልቲኦም ንሓድሕዶም ከም ዚፋተዉ ዝገበሮም ባህርያት ነበሮም። ስለዚ፡ ድልዱል ዕርክነት ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ እዩ። ብሓፈሻ፡ ንሓደ ሰብ ክትፈልጦ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐሊሉ ‘ይተዓራረኹ’ እዮም። ከመይሲ፡ ኣብ ኢንተርነት እንረኽቦም ሰባት፡ ኪብልዎ ዝደለዩ ኣቐዲሞም ኪሓስቡ፡ ነቲ ኻልኦት ብዛዕባኦም ዘለዎም ርእይቶ ድማ ብእተወሰነ ኪቘጻጸሩ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ናይ ሓቂ መንነቶም ኪሓብኡ ቐሊል እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኢንተርነት “ዓርኪ” ኽትመርጽ ከለኻ፡ ተጠንቂቕካ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ኣጸቢቕካ ዘይትፈልጦ ሰብ ዓርኩ ኽትከውን ምስ ዚዕድመካ፡ ስምዒቱ ኸይጕዳእ ብዚብል ፍርሂ ዕሽሽ ምባል ወይ ምንጻግ ኣይትሰከፍ። ገሊኦም ሰባት ኣብ ሓደጋ ምእንቲ ኸይኣትዉ ኢሎም፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ፈጺሞም ከይጥቀሙ ወሲኖም እዮም። ይኹን እምበር፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽትጥቀም እንተ ወሲንካ፡ ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘሎካ እንታይ እዩ፧

ነታ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሓሳባትካን ስእልታትካን ቅድሚ ምልጣፍካ፡ ክትሓስቦ ዘሎካ ነገር እንታይ እዩ፧

  • ኣብ ኢንተርነት እትረኽቦም ኣዕሩኽ ተጠንቂቕካ ኽትመርጽ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

  • ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንእተሕልፎ ግዜ ደረት ክትገብረሉ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧—ኤፌ 5:15, 16