ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት

ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት

መዓልቲ መዓልቲ ብዙሕ ውሳነታት ንገብር ኢና። ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት መብዛሕታኡ ግዜ፡ ኣብ ስምዒቶም ወይ ካልኦት ኣብ ዝገበርዎ ውሳነ ተመርኲሶም እዮም ውሳነ ዚገብሩ። (ዘጸ 23:2፣ ምሳ 28:26) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ እቶም ኣብ የሆዋ ዚውከሉ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመሪሖም ውሳነታት ብምግባር ‘ንዕኡ የስተብህሉሉ’ እዮም።—ምሳ 3:5, 6

እዘን ጥቕስታት ኣብ ኣየናይ ኵነታት ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብር ከም ዚሕግዛኻ ጽሓፍ።

ነታ ንዘይእሙናት ዘይኰነስ፡ ንእሙናት ምሰሎም—ንፈርኦን ዘይኰነስ፡ ንሙሴ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦

ነቲ ሓው፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነት፡ ጽቡቕ ውሳነ ኺገብር ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧