ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
‘ልበይ ወትሩ ኣብኣ ኪኸውን እዩ’
የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ ንዕኡ ሓርዩዋ (2ዜና 7:11, 12)
የሆዋ፡ ልቡ ወትሩ ኣብኣ ኸም ዝነበረ ምዝራቡ፡ ምስ ስሙ እተተሓሓዘ ኣብ ቤቱ ዚግበር ነገር ኣዝዩ ኸም ዜገድሶ ዚሕብር እዩ (2ዜና 7:16፣ w02 15/11 5 ¶1)
እቶም ህዝቢ ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ብዅሉ ልቦም” ምምልላስ እንተ ገዲፎም፡ የሆዋ እታ ቤተ መቕደስ ክትጠፍእ ከም ዚፈቅድ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ (2ዜና 6:14፣ 7:19-21፣ it-2 1077-1078)
ኣብ እዋን ጽምብል እታ ቤተ መቕደስ፡ እቶም ህዝቢ ወትሩ ልቦም ኣብታ ቤተ መቕደስ ከም ዚኸውን ሓሲቦም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቲ ንየሆዋ ንምምላኽ ዝነበሮም ዉዕዉዕ ስምዒት በብቝሩብ ጠፊኡ እዩ።
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ልበይ ኣብ ኣምልኾይ ከም ዝዀነ ብኸመይ ከርኢ እኽእል፧’