ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

29 ሚያዝያ–5 ግንቦት

መዝሙር 34–35

29 ሚያዝያ–5 ግንቦት

መዝሙር 10ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ‘ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ወድሶ’

(10 ደቒቕ)

ዳዊት መከራ እናጋጠሞ ኽነሱ፡ ንየሆዋ ይውድሶ ነይሩ (መዝ 34:1w07 1/3 22 ¶11)

ዳዊት ብየሆዋ እምበር፡ ብርእሱ ኣይተመክሐን (መዝ 34:2-4w07 1/3 22 ¶13)

ዳዊት ንየሆዋ ብምውዳሱ፡ ብጾቱ ተተባቢዖም (መዝ 34:5w07 1/3 23 ¶15)

ዳዊት ካብ ኣቢሜሌክ ምስ ኣምለጠ፡ ኣብ ምድረ በዳ ምስቶም ብመግዛእቲ ሳኦል ዝጐሃዩ 400 ሰባት ተጸምበረ። (1ሳሙ 22:1, 2) ዳዊት ነዛ መዝሙር ኪጽሕፋ ኸሎ ድማ፡ ነዞም ሰባት ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መዝ 34፡ ልዕለ ጽሑፍ።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ እትቕጽል ኣኼባ ጉባኤ ምስ ሓደ ሰብ ክዘራረብ ከለኹ፡ ንየሆዋ ብኸመይ ክውድሶ እኽእል፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 35:19—ዳዊት፡ ብዛዕባ እቶም ዚጸልእዎ ‘ኣዒንቶም ኣይጽቀጡለይ’ ኢሉ ምሕታቱ እንታይ ማለት እዩ፧ (w06 15/5 20 ¶3)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(2 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ምስክርነት ቅድሚ ምጅማርካ፡ እቲ ምይይጥ ደው ይብል። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 4)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 4)

6. እምነትካ ምግላጽ

(5 ደቒቕ) መርኣያ። ijwfq 59—ፍረ ነገር፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓደ በዓል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ብዛዕባ ምዃኑ ዚውስኑ ብኸመይ እዮም፧ (th መጽናዕቲ 17)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 59

7. ኣብ ኣኼባ ንየሆዋ እንውድሰሉ ሰለስተ መገዲ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ንየሆዋ እንውድሰሉ ብሉጽ ኣጋጣሚ ንረክብ ኢና። ሰለስተ መገዲ እንሀ።

ዝርርብ፦ ምስ ካልኦት ከተዕልል ከለኻ፡ ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋ ተዛረብ። (መዝ 145:1, 7) ዝሰማዕካዮ ወይ ዘንበብካዮ ዝጠቐመካ ሓሳብ ኣሎዶ፧ ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ዝረኸብካዮ ጽቡቕ ተመክሮ ኣሎካዶ፧ ብቓላቶም ወይ ብተግባራቶም ዜተባብዑኻ ኣለዉዶ፧ ብዛዕባ ፍጥረት ዝመሰጠካ ነገር ኣሎዶ፧ እዚ ዅሉ ውህበት የሆዋ እዩ። (ያእ 1:17) ምስ ካልኦት ምእንቲ ኸተዕልል ናብ ኣኼባታት ቍሩብ ደቓይቕ ኣቐዲምካ ብጻሕ።

ሓሳባት፦ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ፡ እንተ ወሓደ ሓንቲ ሓሳብ ክትህብ ፈትን። (መዝ 26:12) ቀጥታዊ መልሲ ኽትምልስ፡ ወይ ተወሳኺ ነጥቢ ኽትህብ፡ ወይ ካብ ጥቕሲ ዚርከብ ትምህርቲ፡ ካብ ስእሊ ዚርከብ ትምህርቲ፡ ኣወዓዕላ እቲ ትምህርቲ ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ። ካልኦት እውን ብተደጋጋሚ ኢዶም ሓፍ ኬብሉ ስለ ዚኽእሉ፡ ብርክት ዘበለ ሓሳባት ተዳሊኻ ኺድ። ሓሳባትካ 30 ኻልኢት ወይ ትሕቲኡ እንተ ዀይኑ፡ ብዙሓት “ንኣምላኽ . . . መስዋእቲ ውዳሰ” ኬቕርቡ ዕድል ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።—እብ 13:15

መዝሙራት፦ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ብውዕዉዕ ስምዒት ዘምር። (መዝ 147:1) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባታት ሓሳብ ክትህብ ዕድል ኣይትረክብን ትኸውን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓበይቲ ጉባኤታት፣ ይኹን እምበር፡ ወትሩ መዝሙር ብምዝማር ንየሆዋ ኽትውድሶ ትኽእል ኢኻ። ዋላ እኳ፡ ንፉዕ ዘማሪ ኸም ዘይኰንካ እንተ ተሰምዓካ፡ ብሉጽካ ብምግባርካ፡ የሆዋ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ርግጸኛ ኹን። (2ቈረ 8:12) ኣብ ገዛኻ ነተን መዝሙራት ብምልምማድ ክትዳሎ ትኽእል ኢኻ።

ነታ ግስጋሰ ታሪኽና—ውህበት መዝሙር፡ 1ይ ክፋል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

ኣብ መጀመርታታት ዘመናዊ ታሪኽ ውድብና፡ ንየሆዋ ውዳሰ መዝሙር ምዝማር ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኣና ብኸመይ ኢና፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | ንኣኼባ ዞባ 2024 እተዳለወት ሓዳስ መዝሙርን ጸሎትን