8-14 ሚያዝያ
መዝሙር 26–28
መዝሙር 34ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ዳዊት ንጽህናኡ ዝሓለወ ብኸመይ እዩ፧
(10 ደቒቕ)
ዳዊት፡ የሆዋ ኸጽርዮ ሓቲቱ (መዝ 26:1, 2፣ w04 1/12 14 ¶8-9)
ዳዊት ካብ ሕማቕ ዕርክነት ርሒቑ (መዝ 26:4, 5፣ w04 1/12 15 ¶12-13)
ዳዊት ንየሆዋ ምምላኽ ይፈቱ ነይሩ (መዝ 26:8፣ w04 1/12 16 ¶17-18)
ዳዊት ጌጋታት ፈጺሙ እኳ እንተ ነበረ፡ ‘ብንጽህና ልቢ’ ይመላለስ ነይሩ። (1ነገ 9:4) ንሱ ብምሉእ ልቡ ውፉይን ንየሆዋ የፍቅሮን ነበረ፣ እዚ ድማ፡ ንጽህናኡ ዜርኢ እዩ ነይሩ።
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
-
መዝ 27:10—እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ብመቕርብና ምስ እንጥንጠን እተጸናንዓና ብኸመይ እያ፧ (w06 15/7 28 ¶15)
-
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) መዝ 27:1-14 (th መጽናዕቲ 2)
4. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ካብ ናውቲ ትምህርቲ ሓንቲ ትራክት ተጠቐም። (th መጽናዕቲ 3)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። በታ ኣብ ድሕሪት እታ ትራክት እትርከብ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝሓተትካዮ ሕቶ ተመያየጡ። ንjw.org ኣርእዮ፡ ኣብኡ እንታይ ከም ዚርከብ እውን ሓብሮ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)
6. መደረ
(5 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 3—ፍረ ነገር፦ ምድሪ ኽትሕደስ እያ። (th መጽናዕቲ 13)
መዝሙር 128
7. ስነ ምግባራዊ ንጽህናኦም ዚሕልዉ መንእሰያት
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ክርስትያናት መንእሰያት ስነ ምግባራዊ ንጽህናኦም ንምሕላው ኪቃለሱ ኣለዎም። መንእሰያት ምስ ዘይፍጽምና ይቃለሱ እዮም፣ ኣብ እዋን ብጽሕናኦም ጾታዊ ባህጊ ዚሕይል እኳ እንተ ዀነ ንጽህናኦም ኪሕልዉ ግና ይጽዕሩ እዮም። (ሮሜ 7:21፣ 1ቈረ 7:36) ብዘይካዚ፡ ምስ ኣንጻር ጾታን ምስ ሕደ ጾታን ጾታዊ ርክብ ኪፍጽሙ ንዚወርዶም ዘየቋርጽ ጸቕጢ ኺጻወሩ ኣለዎ። (ኤፌ 2:2) በቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ ንሕበን ኢና።
ነታ ንእስነተይ—ጾታዊ ርክብ ኪገብር ንዚወርደኒ ጸቕጢ ብኸመይ ክቃለሶ እኽእል፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦
-
ኮሪን ካምረንን ካብ መዘናኦም እንታይ ጸቕጢ እዩ ኣጋጢምዎም፧
-
ንጽህናኦም ኪሕልዉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧
-
ተመሳሳሊ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 8 ¶5-12