14-20 ሚያዝያ
ምሳሌ 9
መዝሙር 56ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ጥበበኛ ደኣ እምበር መላገጺ ኣይትኹን
(10 ደቒቕ)
መላገጺ ፍቕራዊ ምኽሪ ኣብ ክንዲ ዚቕበል ንመኻሪኡ ይቕየሞ (ምሳ 9:7, 8ሀ፣ w22.02 9 ¶4)
ጥበበኛ ሰብ ንምኻሪኡን ንምኽሩን የማስወሉ (ምሳ 9:8ለ, 9፣ w22.02 12 ¶12-14፣ w01 15/5 30 ¶1-2)
ጥበበኛ ሰብ ይጥቀም፡ መላገጺ ግና ይጕዳእ (ምሳ 9:12፡ w01 15/5 30 ¶5)
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ምሳ 9:17—“ናይ ስርቂ ማይ” እንታይ እዩ፧ “ጥዑም” ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (w06 15/9 17 ¶5)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ምሳ 9:1-18 (th መጽናዕቲ 5)
4. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቡ ነይሩ። (lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 3)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ቅድሚ ሕጂ በዓል ዝኽሪ ኣበይ ከም ዚብዓል ሓቢርካዮ ኔርካ። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 4)
6. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ቅድሚ ሕጂ ንዘመድካ በዓል ዝኽሪ ኣብ ከባቢኡ ኣበይ ከም ዚብዓል ሓቢርካዮ ኔርካ። (lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 4)
መዝሙር 84
7. ፍሉይ መሰል፡ ስምዒት ጸብለልትነት የሕድረልካ ድዩ፧
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕትኻ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦
“ፍሉይ መሰል” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ኣብ ጉባኤ ፍሉይ መሰል ዘለዎም ንርእሶም ብኸመይ እዮም ኪርእይዋ ዘለዎም፧
ንኻልኦት ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ካብ ስልጣን ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 25 ¶5-7፡ ኣብ ገጽ 200 ዘላ ሳጹን