28 ሚያዝያ–4 ግንቦት
ምሳሌ 11
መዝሙር 90ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ኣይትዛረብ!
(10 ደቒቕ)
‘ንብጻይካ’ ኺጐድኦ ዚኽእል ዘረባ ኣይትዛረብ(ምሳ 11:9፣ w02 15/5 26 ¶4)
ዚኸፋፍል ዘረባ ኣይትዛረብ (ምሳ 11:11፣ w02 15/5 27 ¶2-3)
ምስጢር ኣይትቕላዕ (ምሳ 11:12, 13፣ w02 15/5 27 ¶5)
ንምስትንታን ዚኸውን፦ እቲ ኣብ ሉቃስ 6:45 ዘሎ ቓላት የሱስ፡ ጐዳኢ ዘረባ ኸነወግድ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
-
ምሳ 11:17—ሕያውነት ምርኣይ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧ (g20.1 11፡ ሳጹን)
-
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ምሳ 11:1-20 (th መጽናዕቲ 5)
4. ዝርርብ ምጅማር
(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ሰብ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣኼባ እተምሃርካዮ ምእንቲ ኽትነግሮ ኣጋጣሚ ኣናዲ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 4)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ካብ ናውቲ ትምህርቲ ሓንቲ ቪድዮ ኣፋልጥ። (lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 3)
6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር
(4 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር፡ ብኸመይ ከም ዚግበር ድማ ኣርኢ። (lmd ትምህርቲ 10 ነጥቢ 3)
መዝሙር 157
7. ልሳንካ ሰላም ክትዘርግ ኣይትፍቀደላ
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ፍጹማት ስለ ዘይኰንና ብዘረባና ንጋገ ኢና። (ያእ 3:8) እንተዀነ ግና፡ ዘረባና እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣቐዲምና እንተ ሓሲብና፡ ካብ ጣዕሳ ንስተር ኢና። ገለ ኻብቲ ንሰላም ጉባኤ ኺዘርግ ዚኽእል ነገራት እዚ ዚስዕብ እዩ፦
-
ጃህራ። እዚ ርእሰ ውዳሰ ስለ ዝዀነ፡ ውድድርን ቅንእን ኬለዓዕል ይኽእል እዩ።—ምሳ 27:2
-
ምትላል። እዚ ምሕሳው ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኰነ ኢልካ ዜስሕት ዘረባ ምዝራብ እውን የጠቓልል እዩ። ቍሩብ ምትላል እኳ፡ ሰባት ከም ዘይኣምኑና ኺገብሮምን ንጽቡቕ ስምና ኼበላሽዎን ይኽእል እዩ።—መክ 10:1
-
ሕሜት። እዚ ዘይጠቅም ዘረባ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ሰባትን ህይወቶምን ነቲ ሓቂ ምጥዋይ ወይ ምስጢሮም ምቕላዕ ማለት እዩ። (1ጢሞ 5:13) እዚ ኸኣ ናብ ባእስን ክፍፍልን ኪመርሕ ይኽእል እዩ
-
ቍጥዓ። እዚ ዘረባ እዚ፡ ንዘጕሃየና ሰብ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ብዝዀነ ስምዒት እንዛረቦ ዘረባ እዩ።(ኤፌ 4:26) እዚ ኸኣ ኪጐድእ ይኽእል እዩ።—ምሳ 29:22
ነታ ሰላም ዚዘርግ ባህርያት ‘ቀንጥጥ’—ቍንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
-
ዘረባና ብቐሊሉ ንሰላም ጉባኤ ኺዘርግ ከም ዚኽእል ካብዛ ቪድዮ እንታይ ተማሂርካ፧
ሰላም ብኸመይ ከም ዚሰፍን ንምፍላጥ፡ ‘ንሰላም ድለያ፡ ስዓባ እውን’ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 25 ¶14-21