ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

3-9 መጋቢት

ምሳሌ 3

3-9 መጋቢት

መዝሙር 8ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ብየሆዋ ኸም እትእመን ኣርኢ

(10 ደቒቕ)

ብየሆዋ ደኣ እምበር፡ ብገዛእ ርእስኻ ኣይትተኣመን (ምሳ 3:5ijwbv ዓንቀጽ 14 ¶4-5)

ንመምርሒታት የሆዋ ብምድላይን ብምስዓብን ኣብኡ ኸም እትውከል ኣርኢ (ምሳ 3:6ijwbv ዓንቀጽ 14 ¶6-7)

ብገዛእ ርእስኻ እምብዛ ኣይትተኣማመን (ምሳ 3:7be 76 ¶4)

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወተይ መምርሒታት የሆዋ እደሊ ድየ፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ምሳ 3:3—ብተኣማንነት ዝርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ኣብ ክሳድና ኽንኣስሮን ኣብ ጽላት ልብና ኽንጽሕፎን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (w06 15/9 17 ¶7)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ልሙድ ንዝዀነ ተቓውሞ ምላሽ ሃበሉ። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 5)

5. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ነቲ ሰብ ብዛዕባ jw.org ንገሮ፡ ካርድ ኣድራሻ ድማ ሃቦ። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 3)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) w11 15/3 14 7-10—ፍረ ነገር፦ ዘይግዱስ ሰብ ኬጋጥመካ ኸሎ ኣብ ኣምላኽ ከም እትውከል ኣርኢ። (th መጽናዕቲ 20)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 124

7. ብውድብ የሆዋ ኸም እትተኣማመን ኣርኢ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ነቲ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሓፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መምርሒታት ክንተኣማመነሉ ቐሊል ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ንመምርሒታት እቶም ኣብ ውድብ የሆዋ ዚመርሑና ዘለዉ ኽንተኣማመነሉ ይኸብደና ይኸውን፡ ብፍላይ ድማ እቲ መምርሒ ዘይተረድኣና ወይ ዘይንሰማምዓሉ ምስ ዝኸውን።

ሚልክያስ 2:7 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • የሆዋ፡ ህዝቡ ንምምራሕ ዘይፍጹማት ሰባት ዚጥቀም ምዃኑ ኼደንቐና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

ማቴዎስ 24:45 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚውሃበና መምርሒታት እንተኣማመነሉ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

እብራውያን 13:17 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ምስ ውሳነ እቶም የሆዋ ንኺመርሑና ኢሉ ኣሚኑ ሓላፍነት ዝሃቦም ሰባት ኽንሰማማዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ነታ እዋናዊ ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣካል 2021—ቍ. 9—ቝንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • እቲ ኣብ እዋን ለበዳ እተዋሃበ መምርሒታት፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ንዘሎካ ምትእምማን ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 57ን ጸሎትን