ኣብ ጀርመን፡ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ይብዓል

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ መጋቢት 2016

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ግምቢ ዘብዐኛ ንምብርካት ዚኸውን ሓሳባት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባታት ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ኣስቴር ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእ፡ ምእንቲ የሆዋን ምእንቲ ህዝቡን ስጕምቲ ወሰደት

ብትብዓት ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእተወታ፡ ንማርዶካይ ከኣ ንኣይሁድ ካብ ጥፍኣት ዜድሕን ሕጊ ኼመሓላልፍ ሓገዘቶ። (ኣስቴር 6-10)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ መጽሔት ኣዳሉ

ነቲ እተዋህበ ሓሳባት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ኣዳሉ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንኣጋይሽና ብሓጐስ ንቀበሎም

ንኣጋይሽን ንዘይንጡፋትን ኣብ በዓል ዝኽሪ ብሓጐስ ክንቅበሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

እዮብ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ፡ ንጽህናኡ ሓለወ

ንየሆዋ ኣብ ህይወቱ ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዚህቦ ብንጹር ኣርኣየ። (እዮብ 1-5)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ጓሂኡ ገለጸ

ከቢድ ሓዘንን ተስፋ ምቝራጽን ንኣመለኻኽታ እዮብ እኳ እንተ ጸለዎ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍቕሪ ግና ጽኑዕ እዩ ነይሩ። (እዮብ 6-10)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

እዮብ ኣብ ትንሳኤ ምትእምማን ነበሮ

ከምቲ ነቒጹ ዝነበረ ጕርማጽ ኦም ኣውልዕ ካብ ሱሩ መሊሱ ዚጭብጭብ፡ ኣምላኽ ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ ነበረ። (እዮብ 11-15)

ክርስትያናዊ ህይወት

ሳላ በጃ እንረኽቦ ትንሳኤ

እቲ የሆዋ ዝሃበና ውህበት በጃ ንተስፋ ትንሳኤ ውሕስነት ኰይኑ እዩ። ናብ ቀብሪ እንኸደሉ እዋን ተሪፉ፡ ንምዉታትና ብሓጐስ እንቕበለሉ እዋን ኪመጽእ እዩ።