ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 1-5

እዮብ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ፡ ንጽህናኡ ሓለወ

እዮብ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ፡ ንጽህናኡ ሓለወ

እዮብ ኣብቲ እስራኤላውያን ኣብ ባርነት ግብጺ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣብ ዑጽ ይነብር ነበረ። እስራኤላዊ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜምልኽ ሰብ እዩ ነይሩ። ዓባይ ስድራ ቤትን ብዙሕ ሃብትን ኣብ ሕብረተሰቡ ድማ ተሰማዕነት ነበሮ። ኣዝዩ ዚኽበር ኣማኻርን ፍትሓዊ ዳኛን እዩ ነይሩ። ንድኻታትን ንስኡናትን ከኣ ይልግሰሎም ነበረ። ንጽህናኡ እውን ይሕሉ ነበረ።

እዮብ ንየሆዋ ኣብ ህይወቱ ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዚህቦ ብንጹር ኣርኣየ

1:8-11, 22፣ 2:2-5

  • ሰይጣን ንንጽህና እዮብ ኣስተብሃለሉ። እዮብ ንየሆዋ እዙዝ ምዃኑ ኣይከሓደን፣ ንድራኸ እዮብ ግና ኣብ ሕቶ ኣእተዎ

  • ሰይጣን፡ እዮብ ንየሆዋ ዜገልግሎ ብስስዐ ተደሪኹ ኸም ዝዀነ ገለጸ

  • የሆዋ፡ ነቲ ሰይጣን ዘበገሶ ኽሲ ምላሽ ንምሃብ፡ ሰይጣን ነቲ እሙን ሰብ ኪፍትኖ ፈቐደ። ሰይጣን ድማ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወት እዮብ ጥፍኣት ኣውረደ

  • እዮብ ንጽህናኡ ምስ ሓለወ፡ ሰይጣን ንንጽህና ዅሉ ሰብ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ

  • እዮብ ኣይሓጥአን፡ ንኣምላኽ እውን ከም ዝበደለ ገይሩ ኣይከሰሶን