ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 6-10

እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ጓሂኡ ገለጸ

እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ጓሂኡ ገለጸ

እዮብ ነድዩን ደቁ ሞይቶምዎን ኣዝዩ ሓሚሙን እኳ እንተ ነበረ፡ እሙን ኰነ። ስለዚ፡ እዮብ ንጽህናኡ ምእንቲ ኸይሕሉ፡ ሰይጣን ተስፋ ኬቝርጾ ፈተነ። ሰለስተ “ፈተውቲ” ናብ እዮብ ከዱ። ፈለማ፡ ንረኣዩለይ ዝደንገጹሉ መሰሉ። ድሕሪኡ፡ ሓንቲ እተጸናንዕ ቃል እኳ ኸይተዛረቡ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ እዮብ ኮፍ በሉ። እቲ ድሕሪኡ እተዛረብዎ ዘረባ እውን እንተ ዀነ፡ ከቢድ ክሲ እዩ ነይሩ።

እዮብ ከቢድ ጸቕጢ እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት ሓለወ

6:3፣ 7:16፣ 9:20-22፣ 10:1, 12

  • እዮብ ከቢድ ሓዘን ምስ ኣጋጠሞ፡ ግጉይ ኣመለኻኽታ ሓዘ። ንኣምላኽ እሙን ይኹን ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ከም ዘይግደሰሉ ገይሩ ብምሕሳብ ኣብ ግጉይ መደምደምታ በጺሑ ነበረ

  • እዮብ ተስፋ ስለ ዝቘረጸ፡ ምንጪ ስቓዩ ኻልእ ኪኸውን ዚኽእል እንተ ዀይኑ ኣይሓሰበን

  • እዮብ ብዙሕ ዜሕዝን ነገራት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅሮ ነቶም ከሰስቱ ተዛረቦም