ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ሳላ በጃ እንረኽቦ ትንሳኤ

ሳላ በጃ እንረኽቦ ትንሳኤ

በዓል ዝኽሪ ብዛዕባ እቲ ሳላ በጃ ኣብ መጻኢ እንረኽቦ ኸም ትንሳኤ ዝኣመሰለ በረኸት ከነስተንትን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። የሆዋ ንደቂ ሰብ ኪሞቱ ኣይኰነን ፈጢርዎም ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ ሰብና ኺሞተና ኸሎ ዜጋጥመና ሓዘን ካብ ኵሉ ዚኸብድ ስቓይ ዚዀነና። (1ቈረ 15:26) የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሞት ኣልኣዛር ኪበኽዩ ምስ ረኣዮም፡ ሓዘነ። (ዮሃ 11:33-35) የሱስ ፍጹም ነጸብራቕ ኣቦኡ ስለ ዝዀነ፡ ሰብና ምስ ሞተና ኽንሓዝን ከለና የሆዋ እውን ከም ዚሓዝን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ዮሃ 14:7) የሆዋ ነቲ ንዝሞቱ ኣገልገልቱ ዜተንስኣሉ ግዜ ብሃቀውታ እዩ ዚጽበዮ። ንሕና እውን ከምኡ ኺስምዓና ኣለዎ።—እዮ 14:14, 15

የሆዋ ናይ ስርዓት ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ትንሳኤ ብስርዓት ኸም ዚፍጸም ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ኢና። (1ቈረ 14:33, 40) ሽዑ፡ ናብ ቀብሪ እንኸደሉ እዋን ተሪፉ፡ ንምዉታት ካብ መቓብር እንቕበለሉ እዋን ኪመጽእ እዩ። እሞኸ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ሓዘንካ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ተስተንትን ዲኻ፧ (2ቈረ 4:17, 18) የሆዋ፡ በጃ ብምድላዉን ምዉታት ከም ዚትንስኡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምግላጹን ተመስግኖ ዲኻ፧—ቈሎ 3:15

  • ካብ ፈተውትኻ ወይ ቤተ ሰብካ ንብዓል መን ብትንሳኤ ኽትረኽቦ ሃረር ትብል፧

  • ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ንብዓል መን ክትረኽቦምን ከተዛርቦምን ትደሊ፧